ፖሊስ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ነጋዶ ደቂስብ ዝጸንሑ ስደተኛታት ነጻ ኣውጺኡ

ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ሱዳን ዝኣተወ ኣስጋጋሪ

ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ሱዳን ዝኣተወ ኣስጋጋሪ

ትማሊ ሰንበት ዕለት 15/09/2019 ወጋሕታ ፖሊስ ከተማ ከሰላ ኣብ ምክራም ዝበሃል ቦታ ምስ ዶብ ኤርትራ ኣብ ዘዋስን ከባቢታት  ኣብ ትሕቲ ነጋዶ ደቅሰብ ዝነበሩ 8 ኤርትራውያን ነጻ ኣውጺኡ ፡ ናይዚ ፍሉይ ተርእዮ ድማ እተን 7 ደቅንስትዮ ትሕቲ ዕድመን  1 ወዲ ተባዕታይን ዝርከብዎም እዮም ። እቲ ብዓብላልነት ደቂ ተባዕትዮ ዝፍለጥ ዝነበረ ስደት ሎሚ ብብዝሒ ብቁጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ተተኪኡ ምህላዉ ሓደ ካብቲ ዘሕዝን ተርእዮ ይገብሮ ።

ገለ ካብ እባላት ጸጥታ ሱዳን

ገለ ካብ እባላት ጸጥታ ሱዳን

ኣብቲ ኣብ ከባቢ ምክራም ዝተገብረ ቶኽሲ ዝተሓዎሶ ከቢድ ረጽሚ ፡ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ነቲ ኸባቢ ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምኽባብ ኣሰጋገቲ ኢዶም ክህቡን ነቶም ሒዞሞም ዘለዉ ስደተኛታት ከረክቡ ኣብ ዝሓተትዎም በቶም ኣስገርቲ ተኾሲ ስለዝተኸፍተሎም ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ጎነጽ ብዝተሓዎሶ ኣገባብ ነቶም ስደተኛታት ነጻ ኣውጺሞም ። ኣብቲ ዝተኻየድ ናይ ቶኽሲ ልውዉጥ 2 ኣሰጋገርቲ ደቅሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ውዒሎም ኣለዉ ።

እቶም ካብ ንግዲ ደቅሰባት ናጻ ዝወጹ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ከሰላ ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ንሓፈሻዊ ምርምራ  ይርከቡ ኣለዉ ።

ገለ ካብተን ነጻ ዝወጻ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ገለ ካብተን ነጻ ዝወጻ ኤርትራውያን ስደተኛታት