ኣብዚ ቅንያት እዚ ዳግማይ ሓድሽ ተርእዮ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ይኽሰት ኣሎ ።

እዚ ተርእዮ ስደተኛታት ነቲ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናታት ዝንዛሕ ዘሎ ዜናታት ማለት ሃገራት ኤውሮጳ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ንስደተኛታት ዘድሕና መራኽብ ኣዋፊረን ኣለዋ ብዝብል ዜናታት ተታሊሎም ዳግማይ ናብ ሊብያ ክውሕዙ ይረኣዩ ኣለዉ ።

ብዕለት 03 ኮምኡ ውን ብዕለት 08 ነሓሰ 2019 ኣብ ከባቢ ሱግ ሊብያ ካብ ካርቱም ንሸነኽ ምዕራብ ተደኩኑ ዝርከብ ኣጻምእ ቦታ ስደተኛታት ጽዒነን ናብ በረኻታት ሳሃራ እንዳ ኣመረሓ ብኣባላት ጸጥታ ሱዳን ዝተታሕዛ ክልተ ሚላኖ ዝዓይነት ቶዮታ ላንድኩሪዘር ናይዚ ህያው ምስክር እየን ።

እዞም ስደተኛታት በብዛሕትኦም ዜጋታት ኤርትራን ሶማልን ምኻኖም ውን ተፈሊጡ ኣሎ ።

ድሒሩ እዞም ስደተኛታት ናብቲ ብሁዳ ዝፍለጥ ኣብ ካርቱም ዝርከብ እስርቤት ኣምሪሖም ኣለዉ ፡፡
ኣብዚ ግዜዚ እዚ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታት ዘድሕና መራኽብ ኣዋፊረን ኣለዋ ዝብል ብማዕከናት ዜናታት ዝጋዋሕ  ዘሎ ዜና ንስደተኛታት ጽቡቅ ብስራት ኮይኑ ስደተኛታት ዝያዳ ናብ ሊብያ ንኽውሕዙ ዝደፋፍኦም ቀንዲ ረቃሒ ኮይኑ ኣሎ ፡፡

ድሮ ውን ብዙሓት ስደተኛታት  ቀንዲ ዕላሎም ብዛዕባ እዚ ኾይኑ ንሊብያ ዝብገሱሉ መዓልታት ውን የሰላስሉ ከም ዘለዉ ካብ ልሳኖም ዝረኸብክዎ ምስክርነት እዩ፡፡

ነቲ ኣብ ውሽጢ ሊብያ ዘሎ ኣስካሕካሒ ኩነታት ውን ብግቡእ ዝተገንዘብዎ ኣይመስለንን እቶም ገለ ዝተገንዘብዎ ድማ unhcr ኣብኡ ስለዘሎ ብመንገዶም ናብ 3ይ ሃገር ክንከይድ ንኽእል ኢና ፡ እዚ ምስ ዘይከውን ድማ ብባሕሪ ንፍትን ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ተቃሪጹ ዝነበረ ናይ ሂወት ኣድሕን ናይ መራኽብ ሓገዛት ጀሚሩ ስለ ዘሎ ክብሉ ይስምዑ ኣለዉ ፡፡

ብሓፈሻ ንሊብያ ዝሓሸት ናይ ደገ ዕድላት ዘለዋ ሃገር ቆጺሮም ናብታ ኣብዚ ግዜዚ ሲኦላዊት ሃገር ኮይና እትርከብ ሊብያ ዳግማይ ከምርሑ ኣብ ምሽብሻብ ይርከቡ ኣለዉ ። ስለዚ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኮምኡ ውን ዘይምንግስታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ነዚ ዕቱብ ኣቃልቦ ሂበን ክሰርሓሉ ተዓዘብቲ ይምሕጸኑ፡፡


refugees+on+toyota.jpg