ሰበስልጣን ኬንያ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይኣስሩ

ካብ መጋቢት ክሳዕ ሰነ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ 55 ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኬንያ ክትኣትው ፈቲንኩም ብምባል ብመንግስቲ ኬንያ ከም ዝተኣስሩ ተሓቢሩ።

ካብዚ ቁጽሪ’ዚ ብ 4 ሰነ ሰለስተ ኤርትራውያን ደቀ-ኣንስትዮ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ኣብ ዝጓዓዛሉ ዝነበራ ተታሒዘን ዝተኣስራ እየን፡፡ ንሳተን ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪበን ኣብ ዝሃብኦ ቃል ኣብ ዩጋንዳ ዝርከቡ ስድራቤተን ንኽጽንበራ ከም ዝኾነ ዕላምአን ገሊጸን።

ብተወሳኺ 17 ደቀንስትዮ ዝርከብኦም 44 ኤርትራውያን’ውን ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ከም ዝተኣስሩ ተገሊጹ። ምስ’ዞም ብ መገዲ ሞያሌ ኣቢሎም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ክሰግሩ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን፡ ኣርባዕተ ኬንያውያን ጥርጡራት ኣስገርቲ’ውን ምስኦም ሓቢሮም ተኣሲሮም ከም ዘለው ተፈሊጡ።

ንሓጺር ግዜ ዝተኸፍተ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕድል ተጠቒሞም ብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ናብ ኤትዮጵያ ከም ዝሰገሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዙሓት ካብዚኦም ብመገዲ ኬንያ ኣቢሎም ናብ ዩጋንዳን ካልኦት ሃገራትን ንምኻድ ይፍትኑ ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብ ሊብያን ሱዳንን ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኤውሮጳ ናይ ምኻድ መደባቶም ኣወንዚፎም፡ ዝሓሸ ዝበልዎ ሃገረ ዩጋንዳ ንምኻድ ይመርጹ ኣለዉ። እንተኾነ፡ መገዲ ኢትዮጵያ-ኬንያ እናጸንከረ ብምምጽኡ፡ ነዚ ብምምዝማዝ ዝተፈላለያ ናይ ኣስገርቲ ጉጅለታት ነዚ ዘሎ ኩነታት ኣብ ምምዝማዝ ተዋፊረን ኣለዋ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ሰበስልጣን ኬንያ ሰለስተ ጥርጡራት ኣስገርቲ ናብታ ሃገር ክኣትው ኣብ ዝፈተንሉ ከም ዝሓዝዎም ኣፍሊጦም።

ኬንያን ኢትዮጵያን ካብን ናብን ዶባተን ዝግበር ምስግጋር ሰባት ንምቁጽጻር ሓቢረን ይሰርሓ ከም ዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ሚያዝያ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ብሓገዝ ዩኤንዲፒን ኢጋድን ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ቤት-ጽሕፈት ብምኽፋት ናይ ክልቲኤን ሃገራት ሰበስልጣን ሓቢሮም ዝሰርሕሉ ባይታ ብምጥጣሕ ቁጽጽር ዶባተን ኣብ ምሕያል ይርከባ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዩኤንኤችሲኣር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 900,000 ከምኡ ድማ ኣብ ኬንያ ከባቢ 235,000 ምዝጉባት ስደተኛታት ከም ዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ።