ልዕሊ 80 ስደተኛታት ዝሓዘት መርከብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒላ

በ 4 ሰነ ኣብ ገማግም ቱኒዝያ ሓንቲ መርከብ ድሕሪ ምጥሓላ ልዕሊ 80 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ደሃዮም ከም ዝጠፍአ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ።

ካብዚኦም 4 ስድተኛታት ብገፈፍቲ ዓሳ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ናቲ ሓደጋ ክድሕኑ’ኳን እንተኸኣሉ፡ እዞም ኣብ ስብርባር’ታ መርከብ ብምሓዝ ህይወቶም ዘድሓኑ ስደተኛታት ናብ መዕቆቢ ስደተኛታት ከም ዝተወሰዱን፡ ሓደ ካብኦም ኣብቲ ከባቢ መዕቆቢ ስደተኛታት ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ምስ ተወስደ ብሰንኪ ኣብ ባሕሪ ብዝወረዶ ቀዝሒ ከም ዝሞተ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ሓደ ካብቶም ዝደሓኑ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ “ኣርባዕቴና ኣብ ዕንጨይቲ ናይታ መርከብ ንኽልተ መዓልቲ ኮፍ ኢልና ድሒና። ብዙሓት ዝመቱ ግን ነይሮም” ብምባል ነቲ ፍጻመ የዘንቱ።

እታ መርከብ 4 ደቀንስትዮን 2 ህጻናትን ዝርከብዎም 86 ሰባት ጽዒና ከም ዝነበረት ካብቶም ዝደሓኑ ሰባት ከረጋግጹ ከም ዝኸኣሉ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ኣፍሊጦም።

በቲ ፍጻመ ሓዘኑ ዝገለጸ ፍሉይ ልኡኽ ዩኤንኤችሲኣር ቪንሰንት ኮቸል፡ “ከምዚ እልካ ክቕጸል ኣይከኣልን እዩ። ነዚ ጉዕዞ ከከያዱ ዘገድዶም ኩነታት እንተዘይህሉ ነብሶምን ስድረኦምን ኣብ ሓደጋ ኣይመእተውን። ስለዚ ትርጉም ዘለዎ ፍታሕ ከም ኣማራጺ ከነናዲ እንተ ኽኢልና ነዚ ሓደገኛ ጉዕዞ ንኸየካይዱ ክንዓግቶም ንኽእል” ክብል ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

እዚ ድሕሪቲ ኣብ ሊብያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ልዕሊ 60 ስደተኛታ ዝቐተለ ደብዳብ ነፈርቲ  ዘጋጠመ ፍጻመ ብምዃኑል ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ክሳብ ክንደይ ስደተኛታት ሓደገኛ ጉዕዞታት ንኸካይዱ ይደፋፍኦም ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ።

ቀንዲ ሓደጋን ሞትን ዝበዝሖ ግዕዞ ዝካየደሉ ምዃኑ ዝፍለጥ ማእከላይ ባሕሪ  ካብ ጥሪ ክስዕ ሰነ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ ኣስታት 597 ሰባት ባሕሪ ክሰግሩ ከም ዝመቱ ጸብጻባት ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት የመልክቱ።