ሃገር ንዘምጸአት ኣደይ ንኽቀብር ክኸዶ ዘይከኣልኩ ሃገር

ደቆምን ኣዝማዶምን ደቂ ሃገሮምን ንኽኸብሩ ዝወፈሩ ተጋደልቲ

ደቆምን ኣዝማዶምን ደቂ ሃገሮምን ንኽኸብሩ ዝወፈሩ ተጋደልቲ

ኣብ ኤርትራ ንኹሉ ሰብ በልማማ ህይወቱን መጻኢኡን ብዘይ ንሕስያ ዝድህኽ ኩነታት’ዮ ካብ ነዊሕ ተተኺሉ ዝርከብ። ኩነታት ሰባት ርኢኻ’ውን ኣሳሕኮ ምግባር ዝብሃል ካብቶም ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ዝመርሑ ዘለዉ ይኹን እቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለው አገልገልቶም ፍጹም ዘይ ሕሰብ እዩ። ዳርጋ ንዅሉ ኤርትራዊ ኢድ ናይቶም ገበርቲ እከይ ኣርኪባቱ ኢያ። ‘እዚ ጽጉም  እዩ ኣብ ዓዱ ኾይኑ ጸገሙ እንተ ፈቲሑ ስድራ ቤቱ እንተ ሓጊዙ ነታ ሃገር ሓገዝ  እዩ ’ ፡ ‘እዚ ጻንታ  እዩ  ኣብ ገዝኦም ንሱ ጥራይ  እዩ  ዘሎ ስለዚ ስም ናይቶም ዝሓለፉ ወለዱ ኪስከም ይፋኖ’ ፡ ‘እዚ ወዲ ስዉእ  እዩ  ወለዱ ምእንቲ ሃገር በጀ ኾይኖም፡’ ዝበሃል የለን። እዛ ስዒባ ዘላ ዛንታ’ምበኣር ናይ ሓደ ጻንታ መንእሰይ’ያ።

ሓበን ገብረምከኤል ይበሃል። ካብ ኣብኡ ስዉእ ተጋደላይ ገብሬምከኤል ሓድጉን ኣዲኡ ስውእቲ ተጋዳሊት ኣብርሃት የማነ ኣብ 1990 ተወሊዱ። ሓባን ካብታ ቀንዲ ስሙ  ዝያደ ብ ፈንቅል ይፍለጥ። ምስ ሓበን ንኽላለን፡ ዛንትኡ ንኽፈልጥን ቐንዲ ምኽንያት ፈንቅል እትብል ህቢብቲ ሳጋኡ ኢያ ኔራ። ሓንቲ መዓልቲ ኣብታ ኤርትራዊያን  ስደተኛታት  ብብዝሒ ዝቕመጥዋ ኣብ ካይሮ፡ ግብጺ፡ እትርከብ፡ ኣርድ ልዋእ እትበሃል ቦታ ኢነ ዝተላለና። ድሕሪ ሌላ ድማ ንምንታይ’ዩ ‘ፈንቅል’ ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ሓቲተዮ፡

“ኣደይ ከም ዘዕለለትኒ፡ አነ ኣብ ዕለት 10 -2-1990  ኣብ ሳሕል’የ ተወሊደ። ኣቦይን አደይን ክልቲኦም ኣብ ሓይሊታት ኔሮም። ኣደይ ንዓይ ነብሰጾር ምስ ኮነት ንክትሓርስ ኣብ እንዳ ሓራሳት ከይዳ፡፡ ኣቦይ ከኣ ምስ ኣሃድኡ ኣብ ስርሒት ፈንቅል  ይሳተፍ ነይሩ። ወዲ እንተ ኾይኑ ሓበን ኢና ንብሎ ስለዝተበሃሃሉ ሓበን ተባሂለ። እንተኾነ ግን ዕለተ ልደተይ ምስ ስርሒት ፈንቅል  ስለ ዝተጋጠመ እቶም ተጋደልቲ ፈንቅል ክበሃል ነይርዎ ኢሎም። ብዝኮነ ከም ስምምዕ ወለደይ እታ ሓበን ትብል ስም ተዋሂባተኒ፡፡ ካብቶም ተጋደልቲ ብፍላይ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ እንዳ 17 (እንዳ ሓራሳት) ዝነበራ ተጋደልቲ ፈንቅል ብምባል  ቀጺለነኦ። ኣቦይ ኣብ ናይ መወዳእታ ኲናት ኣብ ከባቢ ኣስመራ’ዩ ተሰዊኡ። ስለ’ዚ ፈንቅል ካብቶም ብናደው፡ ፈንቅልን ካልኦት ስርሒታትን ውግኣትን ዝሕበኑ ወለዲ ስለ-ተወለድኩ ኢያ ለጊባትኒ። ብዙሓት ሰባት ፈንቅል ኢሎም ክጽውዕኒ ይቀለሎም፡ ኣነ ግን ሓበን ኢየ ዝፈቱ። ምኽንያቱ ወለደይን ካልኦት ተጋደልቲን በቲ ዝሰርሕዎ ታሪኽ ስለ ዝሕበኑ’ዮም ሓበን ኢሎምኒ ዝኾኑ።” ብምባል’ዩ ኣመጻጽኣ ስሙን ሳጉኡን ኣዕሊሉኒ። ቀጺሉ ድማ ዛንታኡ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣዘንትይዎ።

ኣደይ ስንክልቲ ኢያ፡ ምስቶም ቀዳሞት ዝተጣየሱ ተጋደልቲ ተጣዪሳ። ከም አደን ኣቦን ኾይና ከኣ ንዓይ ክንዲ ሰብ ኣብጺሓትኒ። መቦቐል ዓድና በዚ ደቡብ ከባቢ መንደፋራ እዩ ። አነ ግን ኣብ ዞባ ጋሽ በርካ ኣብ ባርንቱን ቶክምብያን’የ ዓብየ። ኣብ 2007 ትምህርቲ ንምቅጻልን ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምፍጻምን ሳዋ ወሪደ። ድሕሪ ዓመት፡ ካብ ሳዋ  ኣብ ሰራዊት ተመዲበ። እታ ኣላዪ ዘይብላ ስንክልቲ አደይ ዝሕጊዛ ስኢና። እቲ እንኮ ክሕግዘ ዝክእል ኣነ ጥራይ’የ። ዛንታ ሰለስተና ናታይን ናይኣቦይን ኣደይን ይመሳሰል እዩ’። እቲ ናይ ሓባር ረቓሒ ኩላትና ጻንታ ኢና። ወለዲ ናይ ኣቦይ ኣብ ገድሊ እንከሎ መይቶም፡ ሓደ ሓዉ ነይርዎ ኣብ ገድሊ ተሰዊኡ። ኣደይ ውን ወለዳ ድሕሪ ናጽነት መይቶም፡ ምስኣ ዝተወልዱ ወዲን ጋልን ኔሮም ንሶም ውን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዮማ። ሓዳር ከይገበሩን ከይወለዱ ማለት እዩ። ስለዚ ካብ እንዳ ኣቦይን እንዳ ኣደይን አነ አለኹ ማለት እዩ ።

ኣደይ ሳዋ እንከለኹ ጀሚራ ክሳዕ’ታ ዝወጻእክላ ዕለት፡ ክንደይ ግዜ ናብ’ቲ ንሳ ዘላቶ ምምሕዳር ከባቢ ወይ ኣብኡ ዝርከባ ካልኦት ኣካላት መንግስቲ ተመዲበ ብቀረባ ክከታተላ ብምባል ናብ ምምሕዳር ንኡስ ዞባን ምምሕዳር ዞባን ሕቶ ኣቕሪባ ግን ኣይተቀበልዋ። ናብ መዓስከር ሳዋ ከይዳ ጠሪዓ ኣይተቐበልዋ፡፡ ኣብታ ዝነብርክዋ ኣሃዱ ከይዳ ኩሉ ምስላጥ ኣቢይዋ። ኣደይ እዚ ኩሉ ክትገብር ምስ’ቲ ስንክልንኣ እያ። ዓቅሚ የብላን። ሓደ ሓደ ዝሕግዝዋ ገበርቲ ሰናይ ግን ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ኣነ ጠቕሊለ ካብ ኤርትራ ክወጽእ መዲበ። ኣደይ በይና ክትተርፍ እያ ግን ኩሉ ሓደ  እዩ ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርታራ ሃልየ’ውን ምስኣ የለኹን። ከይፈተኹ ኣደይን ዓደይን ገዲፈ ናብ ስደት ኣምራሓኩ።

ብዕለት 12-10-2012 ብሰላም ኣብ መዓስከር ሸገራብ ሱዳን ኣትየ። ዕላማይ ከምቲ ኣብቲ እዋን ብዙሓት መንእሰያት ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ናይ ወጻኢ መንበሪ ብምሓዝ ናብ ዓደይ ክምለስን ነታ ኣላይ ዘድልያ ኣደይ ከኣልን ነበረ፡ ኣብ ካርቱም ቅሩብ መክፈሊ 2% ዝኾነኒ ምስ ኣዋህለልኩ፡ ናብ ኤርትራ ተመሊሰ።

ዕርፍቲ ምስ ወደእኩ ካልኣይ ግዜ ናብ ሱዳን ክምለስ እዩ ነይሩ መደበይ። ናብ ኢምግሬሽን ምስ ከድኩ ሐዲሽ ሕጊ ወጺኡ ተባሂለ። ‘ሰለስተ ዓመት  ኣብ ወጻኢ ኣይገበርካን’ ብምባል መውጽኢ ፍቓድ ከሊኦምኒ። ብኩሉ ፈቲነ ኣቕቢጾምኒ። ክሳብ ዝኮነ ዝኸውን ኣዳይ እና ሓገዝኩ ክጸንሕ ወሲነ። ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ምምሕዳር ከባቢን ምምሕዳር ንኡስ ዞባን ድቃስ ከሊኦምኒ። ናብ ኣሃዱካ ተመለስ ተባሂለ ክንደይ ግዜ ተጸዊዐ። ኣብ መወዳእታ ምኻድ ምስ አበኩ ብሓይሊ ክወሰዱኒ ሒዞምኒ። ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበረኒ፡ ክልተ ዓመት ምስ ምምሕዳር ድሕሪ ምትህልላኽ፡ ኣብ መፋርቕ 2016 ንኣደይ ገዲፈያ ካልኣይ ግዜ ናብ ስደት ኣምሪሐ። እንተኾነ ግን ሱዳን እና አተኩ ከለኹ ብነጋዶ ደቂ ሰባት ተታሒዘ። 80 ሽሕ ጅኔ (50 ሽሕ ናቕፋ) ክፋል ተባሂለ። ክኸፍል ከም ዘይክእል ምስ ሓበርክዎም፡ ምስቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተታሒዞም ዝነበሩ ስደተኛታት ሓዊሶምኒ። ድሕሪ’ዚ ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ‘ክፈሉ’ እናበሉ መዓልታዊ ብኣብትር ተሰሃሉና። ብዙሓት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከፊሎም ወጺኦም። ኣብ ካልኣይ ሰሙና እቲ ሓበሬታ ናብ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ስለ ዝበጽሐ፡ ሰራዊት ሱዳን ምስ ፖሊስን ጸጥታን ተሓጋጊዞም ስርሒት ብምግባር ነጻ ኣውጺኦምና። ምኽንያቱ እቶም ሒዞምና ዝነበሩ ኣሳገርትን ነጋዶ ደቂ ሰባትን ብረት ዝዓጠቁ ኢዮም ነይሮም፡፡ ኣበይ ከም ዝነበርና ንፈልጥ ኣይነበርናን፡፡ ደሓር ግን ምስ ወጽኣና ኣብ ከባቢ ጊርባ ከም ዝኾነ ተረዲኡና። ጊርባ ካብ ቀደም ኣቲሒዙ መዓስከር ኤርትራዊያን ስደተኛታት  እዩ ። እቲ ዝገርም ድማ እቶም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ዝሰርሑ ኣባላት UNHCR እቲ ዓቢ ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ጊርባ  እዩ ። ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝግበር ኩሉ ጉድ እዩ ። ብዝኮነ ንካልኣይ ግዜ ድሕሪ ሐምሽተ ዓመት ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ተመሊሰ።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ኣብ UNHCR ተመዝጊብካ አይ ተመዝገብካ ኩሉ ሓደ እዩ ። ኣብቲ መዓስከር ንዓመታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሰግሩ ብተስፋ ዝጽበዩ  ብዙሓት  ኢዮም። ንዓቶም ርኢኻ ሎሚ መጽኢካ ክሰልጠካ ዘይሕሰብ  እዩ ። ስለዚ ንዕድልካ ካብዚ መዓስከር ወጺእካ ካልእ መንገዲ ምንዳይ እዩ ። ከምኡ ስለዝኮነ እዩ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ተስፋ ምስ ቀረጹ ናብ ሊብያን ግብጺን ብስግረዶብ ናብ ሃገራት ኤውሮጳን እስራኤል ክሰግሩ ናብ ካልእ ሽግር ዝወድቁ።

ብዝኾነ ኣብ መዓስከር ሸገራብ ምስ አተና፡ እቲ ዝወሃብ ብጫ ካርዲ ቀደም ሒዘዮ ስለዝነበርኩ ናብ ካርቱም  ጥራይ ክሰግር ናብ ምድለዋት ኣቲየ። ኣብቲ መዓስከር ብዙሕ ከይጸንሐኩ ከኣ ካርቱም  ከይደ።

ትፈልጦ ዲካ ሓደ ኣብ እንደ ዜና ዝነበረ ጋዜጣኛን ጸሓፊን ዓብደልቃድር ኣሕመድ ዝበሃል መጽሓፍ ጽሒፉ ነይሩ፡፡ ገርጊስ ጉዕዞ 50 ዓመታት ዝብል። እቲ ሰብኣይ ካብ ኤርትራ ምስ ወጸ ን50 ዓመታት ኣብ ግዕዞ ኣሕሊፍወን። ኣብቲ መጽሓፍ ክምኡ ተጻሒፉ ኣሎ። ናተይ ሂወት’ውን ድሮ ሾመንተ ዓመት ተጓዒዘ አለኹ።

ኣብ ካርቱም ዘለዉ መንእሰያት፡ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ፡ ናብ ሊብያ ክሰግሩ ኢዮም ዝደልዩ ። ካብ 2014 ንደሓር ግን መንግስቲ ሱዳን ምስ ኣሮጳዊ ሕብረት ብዝገበሮ ስምምዕ ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ምስጋር ዳርጋ ተሪፉ  እዩ ። ሰብ ስለዘይዕገት’ምበር ፍሉይ ኣሃዱ ሱዳን መንገዲ ሊብያን ሱዳን ሉክት ኣቢልዋ። ኣብ ሱዳን ስራሕ ዝበሃል የለን እቲ ዝርከብ ከኣ ብሕሱር ጉልበት  እዩ ።

ኤርትራ ቀቢጸያ፡ ናብ ሊብያ ክሰግር ኣብ ቅድመይ ዘሎ ሽግር ኩሉ ተራእኒ። እንተ ተታሒዘ ዝኸፍለለይ የብልይን። ሊብያ እንተ በጻሕኩ’ውን ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ምስጋር ብጥርሑ ከምዘይኮነ ፍሉጥ  እዩ ። ኣደይ ከኣ ምስ ጎሮቤትና ኢያ ትቅመጥ ዘላ። ኣብ ካርቱም  ምንባር ዘይከኣል እዩ። ሰሪሕካ፡ ግደፍ ንስድራኻ ንነብስኻ’ውን ኣይትኸውንን ኢኻ።

እቲ ዘይበጽሓካዮ ቦታ ኩሉ ግዜ ብወረ ጥዑም  እዩ ። ካብ ሱዳን ኣብ ክንዲ ናብ ሊብያ ምስጋር ናብ ግብጺ ምስጋር ይቐልል። ሓደ ኣብዚ ጒዕዞ ስደት እንኸለኩ ዝተላለኽዎ ሰሎሞን ዝበሃል ዓርከይ ኣሎ። ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኣሕዋት ኣለውዎ። ገንዘብ ይሰድሉ፡ ኩሉ ጸገመይ ስለዝፈለጠን ሕያዋይ ከኣ ስለ ዝኾነን ይሕግዘኒ  እዩ ። ኣብ ካርቱም እንከለና ኣብ ግብጺ ፕሮሰስ ጽቡቕ’ዩ ዝሳለጥ ንሰምዕ። ዓርከይ ናብ ግብጺ ዘይንኸይድ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡለይ። ኣሕዋቱ ውን ካብ ሱዳን ኣብ ግብጺ ምምጻእ ይሕሸካ ይብልዉ ኔሮም። ‘ናብ ግብጺ ዘበጽሕ የብለይን’ ኢለዮ። ናብ ኣሕዋቱ ደዊሉ እቲ ጸገም ነጊርዎም። ብዝኮነ አሕዋት ሰለሙን ዓርከይ ውን ከምኡ ለወሃት ኢዮም። ጸገም የለን ኢሎም ንኽልቴና ዝኸዉን ሐምሽተ ሽሕ ዶላር ሰዲዶም ። እቶም ዘብጽሑና ንሓደ ሰብ 2000  እዩ ። 1000 ከኣ ንመሻሪፍን ካልእን። በዚ መሰረት ኣነን ሰለሙንን ምስ ካልኦት 8 ሰባት ናብ ግብጺ ተበጊስና።

ካብ ኻርቱም 7፡00 ምሸት ሒዞምና ዝተበገሱ ኣስገርቲ ሱዳናዊያን ኢዮም። ኣብ ሐንቲ ንእሽተይ መኪና ጸፍጺፎም ወሲዶምና። ክሳብ ፋድስ ዝቕጽል መዓልቲ ድሕሪ ምጓዓዝ ኣብ ዶብ ግብጺ ኣቲና። እቶም ሱዳናዊያን ንግብጻዊያን አረኮቦምና። ኣብ ካልእ መኪና ተሰቂልና ግዕዞና ቀጺልና። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ኣብ ሓደ ቦታ ኣውሪዶምና ደቅሱ ኢሎምና። ካብ ፍርቂ ለይቲ ክሳብ ሳዓት አርባዕተ ናይ ንግሆ ደቂስና፡፡ ድሕሪ’ዚ ሕጂ ካይሮ ከነአቱ  ዳርጋ ሰለስተ ሳዓት ተሪፉና ኣሎ ገንዘብ ክፈሉ ኢሎምና። ናይ ምንታይ ገንዘብ ? ንሕና ነቶም ዘምጽኡና እንዲና ከፊልና ኢልናዮም። ኣብዚ ኣብ መንጎና ክርክር ተፈጢሩ። ንሶም ኣይተዋብናን እዮም ዝብሉ፡ ንሕና ከኣ ስምምዕና ክሳብ ካይሮ ነቶም ዘበገሱና ንሓደ ሰብ 2000 ዶላር ከፊልና ኢልናዮም። ብረት ስለዘይነበሮም ከፋራርሑና ኣይክሉን ኢዮም። ንሶም ክልተ ንሕና ከኣ 10 ሰባት። ሐንቲ ክገብርዋ ዝክእሉ ናብ ካልኦት  ኣሳገርትን ነጋዶ ደቂ ሰባት ምሻጥ ኢያ።  ኣብ ጭው ዝበለ ምድረበዳ ስለ ዝኾነ ካብ ኢዶም ከምዘይንወጽእ ተኣማሚኖም ኢዮም። ኣይንኸፍልን ኢልና ምስ ኣቅበጽናዮም፡ በይኖም ፍልይ ኢሎም ድሕሪ ምዝርራብ፡ ዝበልናኩም እንተ ዘይከፊልኩም ኣይነብጸሓክም ኢና ኢሎምና። ሓደ ከባና ክንደይ ክንከፍል ኢልዎም? ከምዚ ምስ በሎም ተጠማሚቶም በሉ ንሓደ ሰብ 200 ዶላር ክፈሉ ኢሎምና። ንሳቶም ክዕምጹና ደልዮም እምበር እቶም ዘበገሱና ክልተ ሰባት 10 ሽሕ ዶላር እንተ ወሲዶም ንሳቶም ውን 10 ሽሕ ዶላር ክወስዱ ኢዮም። ብዝኮነ ካልእ ኣማራጺ የለን።  ንሕና ውን ኣብዘን 200 ዶላር ከንሰማማዕ ኣለና። እዚኣን 200 ዶላር እንተ ዘይከፋልና ናብ ካልእ ጸገም ክንወድቕ ንክእል ኢና ተባሂልና ኪንከፍሎም ተሰማምዕና። ሓደ ከባና ኣብቲ ምክፋል እሰማማዕ ኢየ ግን ንሕጂ የብለይን ኢሉ። ጸገም የለን ኣብዚ ተሓጋጊዝካ ኢከ ትሰግሮ ኣነ እከፍለልካ ኢልዎ ሓደ ብሩኽ። ብዝኮነ ንሓደ ሰብ 200 ናይ ዓስርቴና 2000 ዶላር ሂብናዮም። ገንዘቦም ተቐቢሎም ግዕዞና ጀሚርና። ፍርቂ ለይቲ ብሳላም ካይሮ ኣቲና። ኣብ ካይሮ ናብቶም ዝቅበሉና ሰባት ደዊልና ንኣዓቶም ኣረኪቦምና ከይዶም።

ካይሮ እትው ኢልና ኣብ UNHCR  ተመዝጊብና። ርሑቅ ከለካ ትሰምዖ ወረ ምስቲ ናይ ቀረባ እንተ ኣዛሚድካዮ ብዙሕ ፍልልይ ኣለዎ። ኣብ ሱዳን ከለና ናብ ሳልሳይ ሃገር ንኽትኸይድ ኣብ ግብጺ ይሓይሽ ንሰምዕ ነይርና። ልክዕ እዩ ካብ ሱዳን ኣብ ግብጺ ይሓይሽ ግን ኣብዚ ውን ብዕድል  እዩ ።  ብዙሓት ይኸዱ  ብዙሓት  ከኣ ይመጽኡ። ኣብዚ ንብዙሕ ዓመታት  ዝተጸበዩ ውን ኣለዉ። ኣነ ውን ከም ሰበይ እጽበ አለኹ። ሰለሙን ዓርከይ ኣሕዋቱ ናይ ከነዳ ፕሮሰስ ጌሮምሉ  ድሕሪ ዓመት ተዓዊቱ ከነዳ ከይዱ።

“ኣብዚ ምስ መጽእኩ ነታ ብጀካይ ኣላይ ዘይብላ ኣደይ ትሓምም ኣለ ምስ ሰምዓኩ ብዙሕ ተሻቂለ። ካብ ሻቅሎት ሓሊፈ ግን ዝገብሮ ወለ ሓደ ነገር ኣይነበረን። እተን ዝረኸብክወን ገንዘብ ንሕክምና ይኹን ንመሻሪፍ ካብ ምስዳድ ካልእ ዝገብሮ ወላ ሓንቲ ኣይነበረን። ካብዚ ንሱዳን ክትምለስ እንተ ደሊካ ናይ ግድን ንኣሰገርቲ ገንዘብ ክትከፍል አለካ። እቲ ዝኽፈል ገንዘብ መዓልታዊ እዩ ዝወስኽ። ኣብ መንገዲ ዘጋጥም ሽግራት’ውን ብዙሕ  እዩ ። ሓደ ከብጸሓካ ምስኡ ትሰማማዕ ነቲ ስምምዕ ኣፍሪሱ ናብ ካልኦት ይሸጠካ። አነ ከኣ ካብዚ ተመሊሰ ብቐረባ እንተ ዘይአለኽዋ እቲ ናብ ሱዳን ምምላስ እንታይ ከዓብስ። ብጀካ ጎሮቤትን ገበርቲ ሰናይን ካልእ ዝርእያ ዘይብለ ኣደይ ወላዲተይ ኣብ ግዜ ሕማማ  ሓንቲ ክገብርለ ኣይከኣልኩን። እንታይ ክገብር ከምዝክእል ኩሉ ጠፊኡኒ እንከሎ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 እታ ከም ኣደን ኣቦን ኮይና ክንዲ ሰብ ዘብጸሓተኒ ኣዳይ ወላዲተይ ብሞት ተፈሊያትኒ። ካብ ግብጺ ናብ ኤርትራ ክትድውል ኣዝዩ ክቡር  እዩ ፡ ኣነ ግን ኣደይ ምስ ሓመመት  ብፍላይ  ኣብ ሕክምና  ደቂሳ ኣለ ምስ ተበሃልኩ ናብቶም ኣላይታ ገበርቲ ሰናይ መዓልታዊ እድዊል ነይረ።

ስለዚ ሞት ናይ ኣደይ ቀልጢፈ ሰሚዐ ማለት  እዩ ። ሐዘነይ ኣብ ስደት ኮይነ ኣሕሊፈዮ። ንሳ ስድራይ ንሳ ውን ካልእ ስድራ የብላን አነ ኢየ ስድራኣ። ከምቲ  መጀመርያ ዝበልክዎ፡ አነ ጻንታ ኢየ፡ እታ ገዛና ብምልኣ ጻንታ ስለ ዝኾነት ኢያ ወደይ ምሳይ ኮይኑ ከገልግል ትብል ዝነበረት። መንግስት ሰማይ የዋርሳ። በቃ ገዛና ኣጽኒቶማ። ንኤርትራ ቑልሕ ዝብለሉ ወላ ሓደ ነገር የለን። ኣብዚ እጽበ አለኹ ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምኻድ። ሓንቲ መዓልቲ ክሰልጠኒ  እዩ ። ቀሪበ ከኣ አለኹ፡ ኩሉ ተስፋ ዝህብ  እዩ ዘሎ ። ካባይ ዝጥለብ ኩሉ ኣማልኤ አለኹ። ካብዚ ናብ ሳልሳይ ሃገር እንተ ከይደ፡ ቀብሪ ኣደይ ክኸዶ ዘይከኣልኩ ዓዲ፡ ወላ ሰላም ምስ ኮነ ዝምለሰሉ ወላ ሓደ ነገር የብለይን።