ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሕሰም የሕልፉ

shutterstock_1014306997.jpg

ኣስታት 430 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 650 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ መዓስከር ዚንታን ናይ ሊብያ ተዓጽዮም ብሕጽረት ማይ፡ መግብን መድሃኒትን ይሳቐዩ ከምዘለዉ ቤት-ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (OHCHR) ገሊጹ።

 ወሃቢ ቃል እቲ ቤት-ጽሕፈት ዝኾነ ሩፐርት ኮልቪን ብ 7 ሰነ ኣብ ከተማ ጀኔቭ ኣብ ዝሃቦ ግዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ዚንታን ዘሎ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ኣዚዩ ሕሱም፡ ኣብ ልዕሊ እሱራት ድማ ቀጻሊ መግረፍቲ ይወርድ ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ።

ብዙሓት ስደተኛታት ብሕሱም ጥሜት ኣብ’ተን ጸበብቲን ዘይንጹሃትን ማእከላት ተጸፍጺፎም ይሳቐዩ ምህላዎም ይንገር። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ናይ 2018 ዛጊት ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝኾኑ 22 ስደተኛታት ብሕማማት ዓባይ ሰዓልን ኻልኦት ብቐሊሉ ኽፍወሱ ዝኽእሉ ሕማማትን ተሰኒፎም ብዘንኺ ስእነት መድሃኒት ህይወቶም ስኢኖም ከምዘለዉ እዩ ቤት-ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሕብር።

ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዛዕባ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኣጸጋሚ ኩነታት ብሓፈሻ ኣብ’ተን ተዳጒኖሙለን ዘለዉ ማእከላት ዘሎ ሕሱም ኣተሓሕዛ ድማ ብምፍላይ ናብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን ትካላት ረድኤት ብምድዋል ሓበሬታ ይህቡ ኣለው።

“ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም ኣለው። ንሕና’ውን ኽንመዉት ቀሪብና ኣሎና። ንሕና ግዳያት ኢና ፡ ድሕነትናን መሰልናን ንጠልብ ኣሎና። እዚ ዘለናዮ ንዓና ጸሊም ታሪኽ እዩ። ኣብ ከቢድ ፍርሒ ኣቲና ብኣእምሮኣዊ ነውጺ ንሳቐ ኣሎና፡” ይብል ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ን ኣልጀዚራ ብተሌፎን ኣብ ዝሃቦ ቃል።

ካልእ ኤርትራዊ ስደተኛ ናብ ጋዜጣ Haaretz ናይ እስራኤል ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ’ውን፥ “ንንቀሳቐሰሉ እኹል ቦታ የለን፡ ምሉእ መዓልቲ ብዘይሓደ ቁምነገር ስቕ ኢልና ንውዕል። በቃ ንጽሊ ንድቅስ ፡ ናብ መናድቕ ነማዕዱ ጥራይ። ብሰንኪ’ዚ ብዙሓት ኣእምርኦም ይስሕቱን ንበይኖም ይዛረቡን ኣለው። ነብሶም ከይጎድኡ ድማ ኢዶም እግሮም ንኣስሮም።”

ብዛአይካ’ዚ ፡ ውሃቢ-ቃል OHCHR ኣቶ ሩፐርት ኮልቪል ብዛዕባ እቲ ሓያሎ ካብ’ቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ዝምለሱ ስደተኛታት ደሃዮም ይጠፍእን ናብ ኣሰጋገርቲ ይሽየጡን ምህላዎም ዝሕብር ጸብጻብ ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ወሃቢ ቃል ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ሞንጎ እቲ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ናብ መዳጎኒ ማእከላት ዝርከቡ ስደተኛታት ዝወሃብ ቊጽሪን ኣብ’ተን ማእከላት ዝጸንሕ ብዝሒን ርኡይ ፍልልይ ከምዘሎ እዩ።

“ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ናብ መዳጎኒ ማእከል ኣል-ኾምስ ናይ ዘረከቦም ስደተኛታት ብዝሒ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ነይሩ። እታ መዳጎኒ ማእከል ብክፍሊ ቃልሲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት (DCIM) እያ ትመሓደር። ሓደ ካብ’ቲ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብ 23 ግንቦት ልዕሊ 200 ስደተኛታት ናብታ ማእከል ከምዝተረከቡ የመልክት። እታ ማእከል ዝሃበቶ ጸብጻብ ግና ኣብ’ዚ እዋን እዚ 30 ስደተኛታት ጥራይ ሒዛ ከምዘላ እዩ ዝነግር፡” ይብል ኣቶ ሩፐርት ኮልቪል።

 ኣብ ሊብያ ዝቕጽል ዘሎ ጎነጽ ፡ ረድኤት ናብ’ቶም ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ዝርከቡ ስደተኛታት ምብጻሕ ኣዚዩ ኣጸጋሚ ገይሩ ኣሎ። ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዛጊት 96 ስደተኛታት ጥራይ እዩ ካብ መዳጎኒ ማእከል ዚንታን ኸውጽእ ኽኢሉ ዘሎ።