ኣብ የመን ዝተዓግቱ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ይጠልቡ

ስእሊ፥ ሮይተርስ

ስእሊ፥ ሮይተርስ

37 ደቅ-ንስትዮ ዝርከብኦም ኣብ የመን ኣብ ትሕቲ ሕሱም ኣተሓሕዛ ተዳጒኖም ዘለዉ ልዕሊ 60 ኢትዮጵያውያን ኤርትራውያንን  ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ብተደጋጋሚ ይጠልቡ ምህላዎም ማዕከናት ዜና የመን ሓቢረን።

 እቶም ስደተኛታት ኣብ ደቡባዊት ኣውራጃ ጣይዝ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ዝርከቡ ዘለዉ ኮይኖም፡ ናብ ስዑድያ ክሰግሩ ኣብ ዝጓዓዙሉ ዝነበረ እዋን ዝተታሕዙ እዮም።

 ካብ’ቶም ተዳጒኖም ዘለዉ ስደተኛታት ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ኣቶ ዓብዱ ያሲን እድሪስ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናይ’ዚ ዓመት ኣትሒዞም ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡን ኩነታቶም እንዳበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎን ብምሕባር፡ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሩ ክምለስ ዘለዎ ድሌት ይሕብር።

 ኣብ መዳጎኒ ማእከላት የመል ዘሎ ሕሱም ኩነታት ካብ’ቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ከምዘይፍለ እዩ ዝሕበር። ሓያሎ ተዳጎንቲ ቀጻሊ ኣካላውን ጾታውን ዓመጻት ክወርዶም እንከሎ፡ ገለ’ውን ብዘይ እኹል መግብን መስተን ንነዊሕ ሰዓታት ከምዝጸንሑ ይዝረብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓገዝ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት ኣይ.ኦ.ኤም፡ ከምኡ’ውን ምስ መንግስቲ የመን ብምትሕብባር ኣብ የመን ተዓጊቶም ኣብ ዘተፈላለያ መዳጎኒ ማእከላት ንዝርከቡ ኢትዮጵያዉን ስደተኛታት ብውሑስ መንገዲ ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ይጽዕት ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሕዳር 2018 ክሳዕ ጥሪ 2019 ጥራይ ልዕሊ 700 ዜጋታትቱን ዜጋታት ኤርትራን  ካብ የመን ኣግዒዙ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ 2019 ጥራይ ልዕሊ 3,000 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ የመን ናብ ሃገሮም ንምግዓዝ መደብ ኣለዎ።

 ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ኣስጋኢ እንዳሃለወ ፡ ሓያሎ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን  ብመንገዲ እታ ሃገር ኣቢሎም ናብ ስዑዲ-ዓረብን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥን፡ ኪንዩኡ’ውን ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ይፍትኑ ኣለው። የመን ናብ ስዑድያ ከተሕልፍ ዝቐረበት ብምዃና ድማ ብኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት ተመራጺት ኮይና ትቕጽል ኣላ።ኣሰጋገርቲ ንስደተኛታት ቅድሚ ናብ’ቲ ዝተደልየ ቦታ ምብጻሖም ኣቐዲሞም ልዑል መጠን ክፍሊት እዮም ዝሓቱ። ብመሰረት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ የመን ዘሎ ኩነታት ይሓስም እንዳሃለፈ ልዕሊ 92 ሚእታዊት ኤትዮጵያውያን ምዃኖም ዝእመነሎም ልዕሊ 150,000 ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2018 ናብ የመን ከምዝኣተው ክፍለጥ ይከኣል።

 ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት ናብ’ቲ ናብ የመን ንምብጻሕ ዘሎ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ህይወቶም ይስእኑ ከምዘለዉ እውን ይሕበር። ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ 2018 ልዕሊ ዓቐን ስደተኛታት ዘሳፈረት ጃልባ ኣብ ጉዕዞ ብምጥሓላ ብውሑዱ 58 ኢትዮጵያያን ስደተኛታት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይዝከር።