ኣብ ዶብ ኬንያ-ኡጋንዳ ተኣሲሮም ዝነበሩ 16 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሰላም ካምፓላ ኣትዮም

ስእሊ፥ chimpreports.com. ኣባላታ ሓይሊ ፖሊስ ኡጋንዳ።

ስእሊ፥ chimpreports.com. ኣባላታ ሓይሊ ፖሊስ ኡጋንዳ።

ኣብ ቀዳሞት መዓልታት ወርሒ ሕዳር ካብ ኬንያ ናብ ኡጋንዳ ክሰግሩ ኣብ ከባቢ ቡስያ ተታሒዞም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ብሓገዝ ሓደ ኤርትራውን ሓደ ሶማላውን ዝተለቁ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሰላም ናብ ከተማ ካምፓላ ኣትዮም ምህላዎም ተፈሊጡ።

እቶም ክልተ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም 16 ሰባት ካብ ናይሮቢ ተበጊሶም ናብ ኡጋንዳ ንምእታው ኣብ ከባቢ ዶብ ከንያን ኡጋንዳን፡ ቡስያ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ምስ በጽሑ ብፖሊስ ኡጋንዳ ከምዝተታሕዙን ኣብቲ ቦታ ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ከምዝተዳጎኑን ይግለጽ።

እቶም ስደተኛታት ብሓደ ኢትዮጵያዊ ኣሰጋጋሪ ካብ ኬንያ ናብ ኡጋንዳ ዝተበገሱ ኮይኖም፡  ዶብ ክሰግሩ ድሕሪ ምትሓዞም እቲ ከሰጋግሮም ሓላፍነት ዝወሰደ ሰብ ደሃይ ከምዘጥፍአ፡ ክከታተሎም ስለዘይክኣለ ድማ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ከምዝቐነዩ ተፈሊጡ።

ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ነዞም ግዳያት ንምፍታሕን ብነጻ ናብ ኡጋንዳ ክኣትዉ ፍቃድ ንምሃብን ብርክት ዝበለ ናይ ውሕስና ገንዘብ ሓቲቶም ምንባሮም ይንገር። ኡጋንዳ ዝቕመጡ ቤተሰብ ናይቶም ተታሒዞም ዝነበሩ ኤርትራውያን ንሓደ ኣብ ከተማ ካምፓላ ዝነብር ሓደ ኤርትራዊ ሓበሬታ ድሕሪ ምሃቦም፡ እቲ ግዱስ ኤርትራዊ ምስ ኣብ ቡስያ ዝነብር ሶማላዊ ብምርድዳእ ጉዳይ ናይቶም 16 እሱራት ክፍለጥን ናብ ፍታሕ ገጹ ከምርሕን ሰሪሑ።

እቲ ሶማላዊ ነቶም እሱራት መግቢ ኣብ ምምጻእን ባትሪ ሞባይላቶም ኣብ ምምላእን ክተሓባበሮም ከሎ፡ ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ንክበጽሕ’ውን ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ኣብ’ቲ ቦታ ዝመደበሩ ቤት ፍርዲ ድማ ንጉዳይ ናይቶም 16 ሰባት ድሕሪ ምርኣይ ናብ ካምፓላ ብምምራሕ ናብቲ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝርኢ ክፍሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸዱን፡ ጉዳዮም ኣብኡ ከመልክቱን ድሕሪ ምውሳን ብህጹጽ ካብ’ቲ ን ሓሙሽተ መዓልታት ተዳጒኖሙሉ ዝነብሩ ቤት-ማእሰርቲ ነጻ ክልቀቑ ወሲኑ።

ብፍላይ ናይቶም ክልተ ህጻናት ፍሉይ ዝገብሮ ኲነት እንተኔሩ፡ ወለዶም ኣብ ካምፓላ ኮይኖም ብሻቕሎት ዝጽበይዎም ምንባሮም እዩ።

እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብ 6 ሕዳር 2018 ብናይ ፖሊስ መኪና ናብ ካምፓላ ከምዝኣተውን፡ ብቀጥታ ናብ መደበር ፖሊስ ኦልድ ካምፓላ ከምዝበጽሑ ተገይሩ ድማ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ከምዘመልከቱን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።።