ዝብእስ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ሱዳንን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጽዒንዎ ዘሎ ስግኣትን

ስእሊ፥ tnw.com. ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ካርቱም።

ስእሊ፥ tnw.com. ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ካርቱም።

ካብ 19 ታሕሳስ ጀሚሩ  ኣብ ሱዳን  ግጭት  ዝተሓወሶም ሰለማዊ ሰልፍታት ኣንጻር  ኣካይዳታት እዋናዊ መንግስቲ እታ ሃገር ይካየዱ ኣለው። እቲ ብ 17 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ኣጥባራ ዝጀመረ ተቛውሞ ናብ ከተማታት ኮስት ፡ ንያላ ፡ ሸንዲ ኮምኡ ውን ብ 20 ታሕሳስ ናብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ልሒሙ ይርከብ።

መሰረታዊ ጠንቂ እዞም ተቛውሞታት እቲ ኣብ ሱዳን እንዳበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ቊጠባዊ ሽግርን ንሱ ኣኸቲሉዎ ዘሎ ማሕበራዊ ነውጽን እዩ። መግትኢ ተሳኢንዎ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ነቶም ኣብ ከም መግቢን ፈሳሲን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ጠለባት ሂወት ዝህሉ ምቅይያራት ሻቡ ዘቖጥዖም ሱዳናውያን ልዕሊ ካልእ እዋን ኣሐሪንዎም ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብፍላይ ኣብ ከም ሱግ ኣል ዓረቢ ፡ ጀብራ ፡ ባሕሪን ኦምዱርማንን ዝኣመሰላ ከባቢታ ካርቱም  ብኣሽሓት ዝቁጸር ህዝቢ ከምኡ ውን ተምሃሮ ኮለጃት ትምህርቶም ኣቃሪጾም ኣብ’ቶም ናይ ተቛውሞ ሰልፍታት ይሳተፉ ኣለው ።

መንግስቲ ሱዳን እቲ ተርእዮ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ከይረክብን ካብ ቊጽጽሩ ወጻኢ ከይዓርግን ንኣገልግሎታት ኢንተርነት ዓጺዩ ምህላው ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

‘ደዓም ኣሰሪዕ’ ማለት ፈጣን ኣሃዱ ዝጽዋዕ ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ሱዳን ብ 22 ታሕሳስ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት ካርቱም ኣትዩ ኣሎ። እዚ ብሄሊኮፕተራትን ድሩዓት መካይንን ተሰንዩ ካብ ከባቢ ምብራቕን ደቡብ ሸነኻት ካርቱም ዓስኪሩ ዘሎ ሓይሊ ኣብ ምርግጋእ እቲ ናዕቢ ቀጥታዊ ተራ ክጻወት ምዃኑ እዩ ተነጊሩ ዘሎ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ባይቶ ናይታ ሃገር ምክፊፋል ተፈጢሩ ከም ዘሎ ውን ይዝረብ ኣሎ ። ገለ ኣባላት ምኒስትሪ ምክልኻል ውን ምስቲ ህዝቢ ወጊኖም ከም ዘለዉ ይስማዕ። ብተወሳኺ ኣብ’ቶም ዝቕጽሉ ዘለዉ ተቛውሞታት ዛጊት ሂወት ልዕሊ 30 ሰባት ጠፊኡ ከምዘሎን ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣካላዊ ጉድኣት ይወርድ ምህላውን ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይሕብሩ።

በዚ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለ፡ ሓያሎ ስደተኛታት ንድሕነቶም ሰጊኦም ከምዘለዉ እውን ተገሊጹ። ነዚ ጸጥታዊ ቅልውላው ከም ሽፋን ተጠቒሞም ንስደተኛታት ዝዕምጹን ዝዝርፉን ወገናት ክህልው ከምዝኽእሉ እዩ ዝዝረብ። ኣብ ሱዳን ዝብእስ ዘሎ ቊጠባዊ ጸገም ኣብ ልዕሊ ዝበዝሑ ዜጋታት እታ ሃገር ከቢድ ነውጺ ፈጢሩ ይርከብ። ስለዝኾነ፡ ገለ ዜጋታት እታ ሃገር ናብ’ቶም ደሓን መነባብሮ እዩ ዘለዎም ኢሎም ዝግምትዎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ብምቊማት ክፋእ ክሓስቡ ከምዘይእግሞም እዩ ዝዝረብ ዘሎ።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ኩለን ከተማታት ሱዳን እትርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ጸጥታዊ ኩነታት ክሳዕ ዝረጋጋእ ኣብ ምንቅስቓሳቶም ጥንቃቐታት ክገብሩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ዝተፈላለዩ ወገናት ይመኽሩ።