ሰብኣዊ መሰል፡ ዘይትንከፍ ናጽነት ውልቀ-ሰብ

ኣብ ታሕሳስ 1948፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ወዲሰብ ኣሎ ዝበሃል በደልን መከራን ዘውረደ፥ ትርጉም ምንባርን ዘይምንባርን ፡ ምህላዉን ዘይምህላዉን ፍልልዩ ዝሓዋወሰ፡ ብዝሕን ዘኢትንገር ዓይነትን ኣማውታ ዝተራእየሉ፡ ኣተሓሳስባን ኣጠማምታን ወዲ ሰብ ፍጹም ዝተለወጠሉ፡ ንኹሉ ዘሰንበደን ዘሰከሐን ካልኣይ ኩናት ዓለም ምስ ተዛዘመመ ዓለም ካብ ሓምዂሽቲ ኩናት ንኽትትስእ ትጋደለሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ዓለማዊ ሰብኣዊ መስል ዝተኣወጀ።

 እቲ ኣዋጅ፡ ሰባት ዓሌቶም፡ ጾትኦም፡ እምነቶም፡ መቦቆሎም፡ ሕብሮምን ደረጃ ናብርኦምን ብዘየገድስ፡ ዕለታዊ ናብርኦም ኣብ ዝመርሕሉ፡ ብዝኾነ ይኹን ኣካል፡ ትካል ወይ’ውን ውልቀሰብ ክንፈግዎም ዘይግብኦም መሰላት ኣቐሚጡ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ከኣ ዝኾነ ሰብ ኣዞም መሰላት እዝኦም ክኽልከልን ክሕደግን ከም ዘይብሉ ኣስሚሩ። ካልእ እንተ ተረፈሲ፡ እዞም ሰፊሮም ዝርከቡ መሰላት ግን ሰብ ብምዃኑ/ና ጥራይ ክህልውዎን/ውን ከም ልቡ/ባ ክትግብሮምን/ክትትግብሮምን ዝግባእ ምዃኑ’ውን ብንጹር ኣስፊሩ ይርከብ።

ገለ ካብቶም ኣብቲ ኣዋጅ ሰፊሮም ዝርከቡ መሰረታውያን መሰላት፡ መሰል ብናጽነት ምንባር፡ መሰል ብናጽነት ምዝራብ፡ ምሕሳብ፡ ምጽሓፍ፡ መሰል ብናጽነት ምእማንን መሰል ብናጽነት ምንቅስቓስን እዮም። ንኹሎም ሰባት ድማ ብማዕረ ይብጽዉም። ብዝኾነ ይኹን ኣካል፡ ወገን ወይ ውልቀሰብ ከኣ ዘይንፈግን ዘይቅንጠጥን መሰላት እዩ። ብተወሳኺ፡ ኩሉ እቲ ኣብቲ ኣዋጅ ሰፊሩ ዝርከብ መሰላት ክነጻጸልን ክከፋፈልን ክቆራመምን ክሸራረፍን ዘይክእልን ዘይግብኦን እዩ። ነንሓድሕዱ ተደጋጊፉን ተዛሚዱን ስለ ዝኸይድ ድማ፡ ሓደ ከይተረፈ፡ ኩሎም እቶም መሰላት ክትግበሩ ከም ዘለዎምን ከምዝግባእን ብንጹር ተዘርዚሩ ይርከብ። ዝኾነ ካብቶም መሰላት እንተ ዘይተማሊኡ ግን እቶም ካልኦት ኩሎም ከም ዝትንከፉ የረድእ።

30 ዓንቀጻት ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ኣብ ዘዘለናዮ ኮይንና፡ ንድሕሪት እስከ ቁሊሕ ንበል። ብግዜን ብቦታን!  ብቖላሕታ ዝኽሪ ተመሪሕና ኣብ መሽጎራጉር ዝኽርታትና’ሞ ንዕለብ፡ ናይ ቀደም ሕልምታትናን ባህግታትናን ትምኒታትናን ድሌታትናን ሃሰስ ኢልና ንረኽቦም ንኸዉን። ዝክር ነብሎም ገጻት’ውን ይህልዉ ይኾኑ ። ሰባት ምስ ሕልሞምን ባህጎምን! ፍልልያት ሕልምን ክዉንነትን፡ ፍልልያት ኣተሓሳስባ ሰባት ቀደምን ሕጂን፡ ፍልልያትን ኣረኣእያታትን ኣብ ጉዳያት፡ ምልዉዋጥ ተግባራትን መትከላትን ሰባት ጎፍ ይብለና ይኸዉን። 

እዚ ጽሑፍ ሓድሽ ነገር ንምምጻእ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ነቲ ዝሓለፈን ዝሓልፍ ዘሎን ሓቢርና እንተ ዘከርናዮ ብምባል’ምበር። “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” ብምባል ኣርባዕተ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝጸሓፍዎ ሃዋርያዊ መልእኽቲ፡ እንደገና ነቲ ሕቶ ኣባዚሕካ ምድጋም የድሊ ይኸዉን። “ሓውኻ፡ ሓውኺ ኣበይ ኣሎ? ሓፍትኻ፡ ሓፍትኺኸ? ኣነ ኣበይ ኣለኹ? ንስኻ፡ ንስኺ ኣበይ ኣለኹም? ስለምታይ ሓውኻ፡ ሓፍትኻ ኣብኡ ኣለዉ? ስለምንታይ ሓውኺ: ሓፍትኺኸ? ስለምንታይ ንስኻ፡ንስኺ ኣብቲ ዘለኽሞ ኣለኹም?” እናበልና፡ እናዘከርናዮም፡ እናዘከርናየን፡ ንነብስና’ውን እናዘከርናያ እስከ ገለ ደቃይቅ ነስተንትን።

ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝኣተና ዉሕዳት ዘይኮንና ኤርትራውያን፡ ሓሙሽተ፡ ሽዱሽተ፡ ወረ ኣብ ገሊኡስ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ምዕራባውያን ኣብ ዝፈጠሩልና ባይታ፡ መራሕትና ክንመርጽ፡ ዕድል  ህዝብታት ኣብ ምውሳን ክንሳተፍ፡ መጻኢ ሃገራት ክንትልም ፡ ኣሎ ዝበሃል መሰላት ናጽነት ዒቕ ክሳብ ዝብለና እናተጠቐምና፡ ነቶም  ንመዋእሎም ኣብ ዝተቐመጥዎ ሃገር ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኣቦናን ኣዲናን፡ ኣሞታትናን ኣኮታትናን ሓትኖታትናን ሓወቦታትናን፡ ደቂ ሓውናን ደቂ ሓፍትናን፡ ኣዝማድናን መተዓብይትናን፡ የዕርኹትናን መማህርትናን ነዛ ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን መደባቶም ከይገብሩ ዝተኾነኑ፡ ኣብ ሕሱም ምልኪ፡ ብሕሱማትን ርጉማትን ሰባት እናተኾብኮቡ፡ እናተዳጎኑ፡ እናተሳራጠዩ፡ እናተቐንጠጡ፡ ሽል እናበሉ ዝገደፍናዮምን ሕጂ ኣብቲ ኲነታት እቲ ዘለዉን፡ ኣይፍለጥን’ዩ፡ ዝክር ነብሎም ንኸዉን።      

 ንብዙሓት ሃገራትን ህዝብታትን ከም ‘ንቡርን ዕለታዊ ተርእዮን’ ንዓና ግን ብርቂ ዝኾኑ ወይ ድማ በንጻሩ ንዓና ‘ንቡር’ ንኻልኦት ህዝብታት ግን ብርቂ ዝኾኑ ነገራት፡ ኩነታትን ኣነባብራታትን’ውን ቅጅል ቅጅል ይብሉና ይኾኑ። መልሲ’ውን ክንረኽበሎም ዘይንኽእል፡ ሕርብት ዝብሉና ኣጋጣሚታት’ውን ጎፍ ከይበሉና ኣበይ ከይተርፉ። ክንደይ “ክኣስረካ እየ”፡ “ብሰላም’ዶ ደቅኻ ከተዕቢ ኣይትደልን ኢኻ”፡ “ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ክትጨንዊ ኢኺ”፡ “ኣይኣነን እየ ንዓኻ ተዘይቀፊደካ!”፡ “ንህይወትኪ’ዶ ኣይትፈርሕላን ኢኺ”፡ “ሬሳኻ እዩ ክወጽእ ካብዚ”፡ ዝብሉ ኣርዓድትን ናብ ግብሪ ዝልወጡን፡ መዓልታዊ ከም ንቡር ተወሲዶም እንሰምዖም ዝነበርና ወይ’ውን ብቐረባ እንፈልጦም ሰባት ዝሰምዕዎም ሓረጋትን ኣባሃህላታትን ዝደጋገም መቓልሑን ንዝክሮ ንኸዉን ። ኣይፍለጥንዩ፡ ብዙሓት ግዳይ ዝኾኑ፡ ብ”ይጽነሓለይ” እናተባህሉን እናተባህላን ዓመታት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝቖጸሩን ዝቖጸራን፡ “ካብዚኣ ዘውጽኣካ ሰብ እንተድኣ ሃልዩ ክሪኦ እየ” እናተባህለ፡ ብብዝሒ ፈቐድኡ ንብሕቱ፡ ኣብ ክልተ ብኽልተ ሜትሮ ሸላ፡ ተዓሺጎም፡ ተዳጒኖም፡ ተቐይዶም ዝርከቡ ሰባት  ምስሎምን መልክዖምን ይርኣየና ይኸውን። ገና፡ ዉዑይ ምስ ትኩ ዘሎ ዝኽሪ ናይቶም ኣብ ምድረበዳ ዝሓሰብዎ ከይገበሩ ኣብ ሸዊት ዕድሚኦም ዝተቖጸዩ፡ ቀሪብና እናበሉ ኣብ ባሕሪ ፡ብተስፋ እናኣማዕደዉ፡ ንህይወቶም ማንካ ከየልዓልሉ ዝሓቐቑ መልክዖምን ባህግታቶምን ትምኒታቶምን ኣብ ቀረባ ይጸንሓና ይኸዉን።

ነንነብስና ዝክር እንተበልናዮስ ኣበይ ክኸፍእ ኢሉ! ኣብ ዓዲ ጓና፡ ብቐዝሒ ቁሪ እናተቐፍቀፍካ፡ ስምካ በቲ ልክዑ ከይተጸዋዕካ፥ ኣብ ዓዲ ሃሩር ብሃፈጽታ ዋዒ ዕድመ ንእስነትኪ እናቐምረረ፥ መዓልቲ ኢሉ ዝጀመረ ግዜ፡ ሓደ፡ ክልተ፡ ሰለስተ፡ ኣርባዕተ፡ ሓሙሽተ፡ ዓሰርተ ዓሰርተ ሓሙሽተ፡ ዕስራ፡ ሳላሳ ዝጸጋጋዕ ዓመታት፡ ሓመደይ መሬተይ ትብልዮ ከይረገጽኪ፥ ወላዲትኪ ካብ ማእከላይ ዕድመ ክሳብ እርጋን ኣብ ዝነበረ ግዜ ከመይ ከም ትመስል ከይረኣኺን ከይፈለጥክን፥ ኣቦኻ ርእሱ ከይሰቕሰቐን ከይሸየበን ምስ ገደፍካዮ፡ ብወረ ወረ፡ ምርኩስ ሒዙ ካብ ውሽጢ ገዛ ንገበላ ብሰለይ ይኸይድ ከም ዘሎ ክትሰምዕ፥ ቆልዑት ዝገደፍክዮም ደቂ ሓዉኺ፡ ንኹሉ ህሮርማ ጸሓይን ጽምኢ ምድረበዳን ተጻዊሮም፡ ኣብ ጎሮቤት ሃገር ኮይኖም ክምሕጸኑኺ፥ ሕሳስ-ልደ ገዛ ኣርኣያን ኣያን ክኾነካ ዝግብኦ ቦኽሪ ሓዉኻ ከይረኣኻዮን ከይፈለጥካዮን ምስሉ ኣብ ስእሊ ጥራይ ክትርኢ፥ ወለዲ ደቂ ወድኹም፡ ደቂ ጓሎኩም ካብ ምሕቛፍን ምስዓምን ክትሕረሙ፥ መንእሰያት መተዓብይትኹምን መማህርትኹምን ኣብ ጥቓኹም ዘይብልኩም ክትነብሩ፥ ደቂ ሓውኺ ደቂ ሓፍትኺ ብስምን ስእልን ጥራይ ክትፈልጥዮም።

ኣብ’ቲ መሰል ወዲ ሰብ ዝኽበረሉ ሃገራት ዘለና፡ ቦታና ዝሓዝና፡ መቐመጢና ዘጣጣሕና፡ መጸግዕን መዕረፍን ዝረከብና፡ መጻኢና ዘውሕስና ክንከዉን ንኽእል፡ ወይ’ውን ከምኡ ይመስለናን ይስመዓናን ይኸዉን። ወይ’ውን ንዓናን ንደቅናን ንመዋእል መዕቆቢ ዝኸዉን ኣራጢጥና እንነብሮ መንበሪ ዘውሓስና ንኸዉን። ወይ ድማ፡ ብኣካል’ኳ መዕለቢ እንተረኸብና፡ ብሓሳብናን ሕልምናን ድሌትናን ባህግናን ግን መልሕቕ ህይወትና እንሸኽለሉ ‘ቦታይ’ እንብሎ ባይታ ኣብ ምድላይ ሰንፈለል ንብል ንህሉ። መጻኢናን መጻኢ ኩሎም ንግደሰሎም ሰባትን ክርኣየናን ክንግምቶን ስለ ዝኸኣልናን ስለ ዘይከኣልናን፡ ወጊሑ ክሳብ ዝዓርብ ብፍርሒ ተዋሒጥና ንህሉ። ወይ ድማ፡ ካብቲ ዝቦቖልናሉ ሓመድ ካብ ሱርና ተቦርቚቕና፡ ኣብ ክንበቑለሉ ዘይንኽእል ኣኻዉሕ ሱርና ክንተክል ሕጊግ ንብል ንህሉ። ካልእ ድማ፡ እቶም ኣብ መገዲ ስደት ገና ንጣየሰሉ ሃገር ዘይበጻሕና ዘለና፡ ኣንፈትና ኣጥፊእና፡ ኣንፈት ንፋስን በራሪ ወረታትን ክንፈልጥ እዝንናን ዓይንናን ተኺልና፡ መን ይፈልጥ፡ ተኣምራት ንጽበ ንህሉ።

“ክንደይ ሃገራት ቆራሪጸ፡ ክንደይ መስገደል ሰጊረ፡ ካብ ክንደይ ሓደጋን ሞትን ኣምሊጠ፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ፡ ስለምንታይ ኣብዚ ዘለኽዎ ሃገር፡ ከተማ፡ ገዛውቲ፡ ገዛ፡ ስራሕ ወዘተ ኣለኹ? ስለምንታይ መወዳእታ ዘይብሉ ምፍልላይ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ምንፋቕ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ምቕዛን፡ ምስቁንቋን ምሕቋን? ስለምንታይ ክንድዚ ከርተት፡ ውርደት፡ ኣደራዕ፡ ሰቖቓ፡ ቃንዛ፡ ትዝታ?” ዝብል ሕቶ ነፍሲ ወከፍና ክንምልሶ እንተንፍትን። ብተወሳኺ ድማ “ስለምንታይ ኣብ ቤትማእሰርቲ ኩሉ ክብረቶም ዕርቃኑ ክሳብ ዝወጽእ ተቐንጢጡ፡ ኣብ በይኖም፡ ምስ መንደቕ እናተጠማመቱ፡ ስሞም ተረሲዑ ብቑጽሪ ዝውዑ ኣለዉ?” ብምባል ድማ እንደገና ነብስና እንተ ንሓትት። ዝመሳሰል መልስን ምኽንያትን ንረክብ ንኸውን።

‘ዝተፈለየ ኣረኣእያ ሒዝካ’፡ ‘ዝበልናኪ ስለ ዘይሰማዕኪ’፡ ‘ዝተኣዘዝክሞ ኣይገበርኩምን’፡ ‘ንሕና ዝበልናዮ ጥራይ ከም ቅኑዕ ኣይወሰድክሞን’፡ ‘እምነትካን ኣተኣማምናኻን ኣይተበራሃናን’፡‘ሓላይ ህዝቢ ክትመስል ፈቲንካ’፡ ‘ንመንግስቲ ዝወቅስ ሓሲብካ፡ ጽሒፍካ፡ ተዛሪብካ’፡ ‘ሕጊን ስርዓትን ንምንታይ ተልዕሎ’፡ ‘ኣብ ጉዳይ፡ ዉራይ ሃገር ንምንታይ ኢድኪ ክትሕውሲ ትደልዪ’፡ ‘ክትንቀሳቐስ፡ ክትከይድ ሓሲብካ’፡ ‘ቦታ ክትቅይር መሪጽካ’፡ ‘የእምሮኻ ዘይንፈትዎ ሓሳባት የዕቚቡ’፡ ‘ስለምንታይ ካብ ናትና ዝፍለ ሓሳባት ኣቕሪብኪ’፡ ‘ንምንታይ ኣፍካ ከፊትካ’፡ ‘ዝተፈለየ ርእይቶ ሂብኪ’፡ ‘ዘየድልየካ ሕቶ ሓቲትካ’፡ ‘ኣማራጺታት ደሊኺ’፡ ‘ዝመረጽናዮ ኣይመረጽካን’፡ ‘ኣረኣእያኻ ተፈልዩ’፡ ‘ቁሊሕ ኢልካ ርኢኻኒ’፡ ‘ማኪና ዓጊትካኒ’፡ ‘ኣበይ ዝነበረት እያ ድኣ እዚኣ’፡ ‘ወጅህኻ ኣይተበራሃንን’ ‘ስድራኻ ከተልዕል ደሊኻ’፡ ‘ናብራይ ተዘይገበርኩ ኢልካ’፡ ‘ዝለዓለ ትምህርቲ ክትቅጽሊ ደሊኺ’፡ ‘ክእለተይን ፍልጠተይን ተዘይ ኣዕበኹ ኢልኪ’፡ ‘የዕሊልካ፡ ሰሚዕኪ፡ ርኢኻ፡ ሓሲብኪ፡ ክትሓስብ ፈቲንካ’፡ ‘ዝግባኣኪ ሓቲትኪ’፡ ‘ተዘይ ሰራሕኩ፡ ተዘይ ነገድኩ፡ ተዘይ ወነንኩ ኢልኪ’፡ ‘ንብረት ተዘይ ኣጥረኹ፡ ተዘይ ሃብተምኩ ኢልካ’ ካብ ዝብልን ንዕኡ ዝመስልን ኣይሓልፍን።