ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጠንቂ ዝበኣሰ ፍልሰት ኤርትራውያን ይኸውን

ስእሊ፥ ምኪኤል ተወልደ/ዘ-ጋርድያን/ ። ሓለዋ-ኣልቦ ነጻ ምንቕስቓስ ህዝቢ ኣብ ዶባት

ስእሊ፥ ምኪኤል ተወልደ/ዘ-ጋርድያን/ ። ሓለዋ-ኣልቦ ነጻ ምንቕስቓስ ህዝቢ ኣብ ዶባት

ዶብ ኤርትራን ኤትዮጵያን ብሸነኽ ሰርሓ - ዛላምበሳ ብወግዒ ድሕሪ ምኽፋቱ ቁጽሪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን  ስድራቤታት ከይተረፋ ናብ ኤትዮጵያ ከም ዝሰገሩ ይፍለጥ ።

መርኣያ ናቱ ድማ እንሆ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተጋነነ ቁጽሪ ካብ ኤትዮጵያ ተበጊሶም ናብ ሱዳን፡ ኬንያን ኡጋንዳን ይውሕዙ ኣለዉ ። እዚ ብመንገዲ መተማን ሑሞራን ኣቢሎም ናብ ሱዳን ዝውሑዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቆልዓ ሰበይቲ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ኮምኡ ውን ደቅንስትዮን መንእሰያትን ይርከብዎም ።

ነዚ ተርእዮ ከም ዕድል ዝወሰድዎ ኣሰጋገርቲ ድማ ንሓደ ሰብ ካብ1200 ክሳዕ 7000 ዶላር ኣሜሪካ እንዳኽፈሉ ነቶም ካብ ኢትዮጵያ ከርሕቚ ዝህወኹ ዘለው ኤርትራውያን ሓደስቲ ስደተኛታታ የሰጋግሩ ኣለው ። ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ውን ካብ 4 ሽሕ ክሳብ 7 ሽሕ ዶላር ብምኽፋል ድሮ ናብ ከተማ ካርቱም ኣትዮም ይርከቡ ። ገና ውን እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ ።

ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥሙ ባህርያዊ ሓደጋታትን ብኣሰጋግርቲ ዝፍጸሙ ኩሉዓይነታዊ ዓመጻትን እዉን ይዛይድ ምህላዉ ይሕበር ኣሎ።ብፍላይ ንትሕቲ ዕድመ ደቅ-ንስትዮ ኣብ ውሽጢ ኤትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ርእሲ’ቲ ዝኸፍለኦ ገንዘብ በቶም ኣሰጋገርቲ ብብዝሒ ዓመጽ የጋጥመን ኣሎ።

ብዘይ መጽናዕቲ ስርዓተ-ጸጥታን ዝተኸፍተ ዶብ ኤርትራን ኤትዮጵያን ፡ ስደተኛታት ብብዝሒ ናብ ኤትዮጵያ ኽውሕዙ ይደፍእ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ ፡ ብዘይስሩዕ መስመራሕ ሓበሬታ ዝዝረው ዘሎ ዶባት ከምቲ ዘለዎ ተኸፊቱ ክቕጽል ከምዘይኮነ ዘአንፍቱ ወረታት ነቲ ዋሕዚ ተወሳኺ ናህሪ ይፈጥሩ ኣለው።

ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ዘለው ሓደስቲ ስደተኛታት ናብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ከርሕቚ ዝገብር ዘሎ መሰረታዊ ጠንቂ፡ እቲ ህውኽ ዝመስል ዘሎ ምሕዝነት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቶም ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ውሕስነት ክረኽቡ ንዘሎ ተኽእሎ ኣጽቢቡዎ ብምህላዉ እዩ።

እዋናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብሮ፡ ዶባት ክልትኤን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ 11 መስከረም ካብ ዝኽፈት ዛጊት ቀረባ 10,000 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ምህላዎም’ዩ።