ፖሊስ ሱዳን ኤርትራውያን ስደኛታት ብጅምላ ይዳጒን


ካብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብብዝሒ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢታት ከተማ ኻርቱም ጽዑቕ ግፋታት ይካየዱ ምህላዎም ወኪል ኣፍሪቃ ሞኒቶርስ ካብታ ከተማ ሓቢሩ። እቶም ኣብ ከም ዴም፡ጂረፍ፡ ሰሓፋ ፡ምኹተርቢን ዝኣመሰሉ ከባቢታት ኻርቱም  ዝካየዱ ዘለዉ ግፋታት ብቐንዱ ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ዕላማ ዝገበሩ እዮም።

ዕላማ ናይ’ቶም ግፋታት መንበሪ ወረቀት ንዘይብሎም ስደተኛታት ዝዓለመ ኮይኑ፡ ሓደ ቀንዲ ረቛሒ ግን ነቶም ብብዝሒ ካብ ኤትዮጵያ ዝመጹ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ቅድሚ መንበሪ ፍቃድ ወይ ውን ብልምዲ ‘ብጣቓ’ ዝበሃል  ምሓዞም ወይ ምውጸኦም ብምሓዝ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ብመቕጻዕቲ ንምእካብ ምኻኑ ይንገር ። ኣባላት ጸጥታ መንስግቲ ሱዳን ነቶም ወረቐት ከይሓዙ ዝገፍዎም ስደተኛታት ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ክሳዕ 15,000 ጅኔ ይቐጽዕዎም ኣለው። እቶም ኣባላት ጸጥታ ኣብ’ቶም ኣልመምቲ ግፋታት ወረቐት ዘለዎም ስደተኛታት’ውን ይልክሙ ምህላዎም ዘመልከተ ወኪል ኣፍሪቃ ሞኒቶርስ ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክንፍንወኩም ገንዘብ ክፈሉ እንዳበሉ ዘይሕጋዊ ስራሕ ይፍጽሙ ምህላዎም የረድእ።

ኣብ ከባቢ ጅሬፍ ዝግፈፉ ስደተኛታት ክሳዕ ገንዘባዊ መቕጻዕቶም ዘደቅሱ ኣብ’ቲ ኣርብዓ-ወተማኒን ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ክዳገኑ ኸለው፡ እቶም ኣብ ከባቢታት ሰሓፋን ሙኽተርቢንን ዝተሓዙ ድማ ናብቲ ብ ኢምቲዳድ ዝጽዋዕ መዳጎኒ ማእከል ከምዝእከቡ ይግበር ኣሎ።


ስእሊ፡ኣፍሪቃ ሞኒቶርስ። 8 መስከረም 2018. ገለ ኻብቶም ኣብ ከባቢ ሰሓፋ ናይ ከተማ ኻርቱም ዝተገፉ ስደተኛታት።

ስእሊ፡ኣፍሪቃ ሞኒቶርስ። 8 መስከረም 2018. ገለ ኻብቶም ኣብ ከባቢ ሰሓፋ ናይ ከተማ ኻርቱም ዝተገፉ ስደተኛታት።