ክብርን ተስፋን  ዝተሰርቀላ በዓቲ


ሂወት ኮለል’ያ ዝብል ኣበሃህላ ኣዝያ’ያ ትምስጠኒ። ምኽንያቱ ሂወት ኣብ ዙርያ ድሌታትን ውሳኔታትን ደቂ ሰባት’ያ ትምርኮስ። በዚ መንጽር’ዚ ድማ ንእንደልዮም ፡እንሓስቦም ኮታ ከነተግብሮም እንሕልን ነገራት ንምምላእ ኮለል እንብል። ሂወት ብዝተፈላለየ መንገድን ደረጃ ኣተሓሳስባን እትኽለስ’ኳ እንተኾነት ንዝኾነ መኣዝን ሂወት ኣብ ምእላይ ግን ሓደ ናይ ሓባር ረቋሒ ዝኾነ ነገር ኣሎ። እዚ ንኩሉ ደቂ ሰባት ከም ነዳዲ ብምዃን ንመኣዝናት ሂወት ደቂ ሰባት ነናብ ዝደለይዎ ሸነኻት ንምምራሕ ዝሕግዝ ነገር ድማ ሰላምን ቅሳነትን እዩ። መብዛሕትና ከምእንፈልጦ ዘሎ ኩነታት ሃገርናን ፣ኣካይዳ ኣመራርሓ ኣብ ዙፋን ስልጣን ዝርከቡ መራሕቲ ሃገርን ንዝኾነ ዜጋ መሰሉ ተሓልዩሉ ብሰላምን ቅሳነትን ንሂወቱ ናብ ዝሓለኖ ሸነኽ ከማእዝን ፍጹም ኣጸጋሚ እዩ። በዚ ድማ ሂወት ዜጋታት ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኣደዳ ስደትን ባርነትን ኮይኑ ይርከብ። ከም ኩሉ መንእሰይ ድማ ኣደዳ ናይዚ ኩነት ብምዃነይ ሰላምን ቅሳነት ዘለዎ ሂወት ንምምራሕን ጻማ ናይቶም ከርተት ኢሎም ዘዕበዩኒ ስድራይ ንምኽፋል ሰሪሐ ክጥውር ብምሕላን ውሳነይ ኣብ ዝገብርክዎ ጉዕዞ ስደት ድማ’የ ንራህዋ ዝተላለኽዋ።

ራህዋ ኣብ መጀመርያ ዕስራታት እትርከብ መንእሰይ ‘ያ።  እትውንኖ ቅርጺ ሰብነትን ቁመናን ዝረኣየ ጥዒምዋ እትነብር ጓል ርኹባት ይመስሎ። ኣብቲ ብዝተፈላልየ ሸነኻት ዶብ ኢትዮጵያ ንዝመጹ ስደተኛታት ብምእካብ ናይ ምዝገባን ካልእን ጉዳያት ዝእንገደሉ  ‘እንዳ ባጉና’ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ቦታ’የ ተላልየያ። ኣብቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ጻንሖትና (ኣብ እንዳባጉና ምዃኑ’ዩ) ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብን ከተዕልልን ኣየስተበሃልኩላን፣ ኩሉ ምንቕስቓሳታ ብሕታዊ’ዩ ነይሩ። ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ ናብ መዓስከር ሕጻጽ ኣብ እንብገሰሉ ግዜ ብሓንሳብ ተሰቀልና።  ከም ዝኾነ ሰብ ዝገብሮ ሓጺር ድሕረ ባይታ መንነትና ድሕሪ ምፍላጥና ድማ፣ ናብቲ ኣብ መዓስከራት ኮነ ኣብ ጉዕዞ ስደት ልሙድ ዝኾነ ዕላል ጉዕዞ ስግረ ዶብ ኣብ ዝተላዕለሉ ህሞት ብቅጽበት ምስሊ ገጽ ራህዋ ክቀያየር ተዓዘብኩ።

‘ኢሂ ድኣ ራህዋ፣ ብሰላም ድዩ?’ ክብል ስክፍታ ብዝተሓወሶ ቃና ሕቶይ ኣቕረብኩ።

‘ይቕሬታ ጉዕዞይ ኣዝዩ ሕማቅ በሰላ ዝገደፈለይ ‘ዩ በጃኻ’ ክትብል መለሰትለይ። ዝሓለፈቶ ጉዕሶ መሪር ከምዝኾነ ብምርዳእ ክፈልጦ’ኳ እንተደለኹ፣ ተወሳኺ ሕቶ ብምልዓል ክርብሻ ስለዘይደልኹ ስቕታ መረጽኩ። ካብ ዝነበረቶ ሕማቕ ስምዒት ክትገላገል ስለዝደለኽዋ ድማ ጉዕዞይ ኣካፈልክዋ። ዕላለይ ድሕሪ ምስምዓ ግን ፣ ሓደ ብፍጹም ምስቲ ነዕልሎ ዝነበረና ኣርእስቲ ዘይሳነ ድቦላ ዝኾነ ሕቶ ኣቕረበትለይ።  ‘ይቅሬታ ክሓተካ እንዶ፣ ኣወዳት እተፍቅርዋ ጓል፣ ድንግል ኮይና እተዘይጸኒሓትኩም እንታይ ትሓስቡ?’

ኣብ ኣእምሮይ ዘይነበረ ሕቶ ብምዃኑ፡ ብኣግርሞት ጠመትክዋ’ሞ ፍኽሽታ ብምሕዋስ ሕቶኣ ከምዘይተረድኣኒ ሓበርክዋ።

‘ደሓን ግደፎ ክትምልሰለይ ስለዘይደለኻ’ዩ ምበር እቲ ሕቶይ ንጹር’ዩ’ በለትኒ። ዝገጠሚ ኣዋጣሪ ሕቶ ክምልሰላ ከምዝኽእል ግን ኣነ ዝምልሰላ መልሲ ናይ ኩሉ ወዲ ተባዕታይ መልስን ርድኢትን ከምዘይኮነ ብምሕባር ድማ፣ ግዜን እዋንን ናይቲ ፍጻመ ንውሳኔ ተራ ከምዘለዎ ኣተንባህኩላ። ራህዋ ዝን ኢላ ድሕሪ ምሕሳብ ሃንደበት ንብዓታ ከም ማይ ክትዛርዮ ከጀመረት። ኣብቲ ሰዓት ዝነበረኒ ስንባደ ክገልጾ ኣይክእልን። ከጸናንዓ ድየ፡ ምረታ ከተውጽእ ክትበኪ ክገድፋ ድየ ዘለኒ ምንም ክርድኣኒ ኣይከኣለን።

‘ራህዋ ይቅሬታ ዘጋጠምኪ ነገር እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን’የ ፣ ከቢድ ከምዝኾነ ግን  ዘለኽዮ ኩነታት ዘረድእ’ዩ’ ድሕሪ ምባል ዘጋጠማ ነገር ክተካፍለኒ ተወከስክዋ። ‘ኡፍ’ ኢላ እንቅዓ ድሕሪ ምስትንፋስ ድማ መሪር ጉዕዞ ስደታ ከትጸውየለይ ጀመረት።

‘ ዝበዝሐ ዕድመይ ምስ ኣደይ ‘የ ዓብየ፣ ኣነ ነታ 3 ቆልዑ ዘፍረየት ገዛና ቦክሪ’የ። ኣቦይ ወተሃደር ኮይኑ ኣብ ውግእ ኢትዮ-ኤርትራ ተሰዊኡ። ድሕሪ መስዋእቲ ወላዲየይ ሓላፍነት ገዛና ኣብ ኣደይ ‘ዩ ወዲቑ። ኣደይ ናይ ስፍየት ክዳን ሞያ ስለዝነበራ ክዳውንቲ እንዳሰፈየት’ያ ኣዕብያትና። ኣነ ውን ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ይተሓጋገዛ ነይረ። ናይ ካልኣይ ደርጃ ትምህርተይ ንምዛዛምን ክዕለምን ድማ ኣብ መበል 24 ዙርያ ናብ ሳዋ ወሪደ። ኣብ ትምህርተይ ደሓን ዝበሃል’ኳ እንተነበርኩ፣ ነጥቢ ከምዝጽእ ብዘምኽኣለይ ኣብ ሚንስትሪ ማይ ማዕድንን ከገልግል ተመዲበ። ኣብ ሚኒስትሪ ማይን ማዕድንን ኣብ ክፍሊ መዝገብ ድማ ይሰርሕ ነይረ። ኣብኡ ድማ’የ ንሳሚ ዝተላለኽ ዎ፣ ሳሚ. .’ ኢላ ዕላል ኣብ እትቕጽለሉ ዝነበረት እዋን  “ ሳሚ መን’ዩ?” ኢለ ዕላላ ብምዃላፍ ንኽንጽርለይ ሓተትክዋ። “ ሳሚ ዓርከይ ‘ዩ፣ ኣብ ሚኒስትሪ ማይ ማዕድንን ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩሉ ግዜ’የ ተላሊና። ኣብኡ ተመዲቡ ይሰርሕ ነይሩ። ሳሚ ኣብ ሂወተይ ሓገዝ ዝገብሩለይ ካብ ዝነበሩ ቀረብተይ ብቐዳምነት ዝስራዕ’ዩ። ምስ ሳሚ ብፍቕሪ ካብ እንቁረን ድሮ ልዕሊ ስለስተ ዓመት ጌርና ኣለና። ሳሚ ንዝነበርና ናይ መርዓ መደባት ኣብ ግምት ብምእታው ንናይ መጻኢ ሂወትና ዝኸውን ዓቕሚ ንምእካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ንግዲ ክሰርሕ’ኳ እንተፈነ መቸም ኣብ ዓድና ዘሎ ስርዓት ከምእትፈልጦ’ዩ፣ ምንም ክሰርሕ ኣይከአለን ፣ ዝነበሮ ኣማራጺ ድማ ሃገሩ ገዲፉ ክስደድ ኮነ። ብኣዝዩ ኣሰቃቂ መንገዲ ሱዳን፣ሊብያ ፡ጥልያን ብምስጋር ድማ ናብ ስዊዘርላንድ ኣትዩ። ኣብኡ ብምዃን ኣብ ስደት እንዳሰርሐ ድማ ስድርኡን ስድራይን ክጠውር ጀመረ። ኣብቲ ዝነበረሉ ሃገር ከም በዓልቲቤቱ ኣመዝጊቡኒ ብምንባሩ ድማ ናብኡ ንኽመጽእ ተሰማማዕና። ኣነ ኣብ ትሕቲ ኣገልግሎት ብምንባረይ ዘቕረብክዎ  ናይ ምጥያስ ሕቶ ተቀባልነት ብዘይምርካቡ ድማ ጉዕዞይ ብስግረ ዶብ ምዃኑ ምርጫይ ኮነ። ሳሚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝርከቡ ኣዕሩኽቱ ብዝመጹ ኣስገርቲ ድማ ጎዕዞ ስደት ናብ ኢትዮጵያ ተተሓሓዝክዎ። ኣብቲ ጎዕዞና 11 ሰባት ኮይና 3 ደቂ ኣንስትዮ ንዝርከቦም 6 ኣወዳት ሰገርቲ ፡ 2 ድማ ኣሰግርቲ ኢና ዝነበርና። መንገድና ብዓላ ኮይኑ፣ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጉዕዞ ምዃኑ ኣብ ድሮ ምብጋስና ሓበሩና። ሓደ ካብቶም ኣሰገርቲ ስለስተ መዓልቲ ነዊሕ’ዩ ከይትብሉ ጽፉፍ ስለዝኾነ’ዩ ክብል ንዝነበረና ኣሉታዊ ሓሳብ ከህድእ ፈቲኑ’ዩ። መቸም ጉዕዞና ምሸት ሰዓት 9 ጀመርና። ነዊሕ ጉዕዞ ድሕሪ ምክያድ ድማ ከባቢ ሰዓት 5 ወጋሕታ ኣብ ሓደ በዓቲ የዕርፉ ብምባል ክሳብ ሰዓት 7 ናይ ምሸት ኣብኡ ኣዕረፍና። ዝተጎዓዝናዮ ነዊሕ መንገዲ ኣደዳ ድኻም ስለዝገበርና ቀልጢፉ’ዩ ድቃስ ወሲዱና፣ ብፍላይ ኣነ ኣዝየ ተሰኒፈ ብምንባረይ ንክበልዕ ኢሎም ካብ ድቃሰይ ክሳብ ዝበራብሩኒ ምንም ይሰምዕ ኣይነበርኩን። ብኸምዚ ዕረፍቲ ድሕሪ ምግባርና ሰዓት 7 ናይ ምሸት ናይ ካልኣይ መዓልቲ ጉዕዞና ጀመርና፣ ነዊህ ድሕሪ ምጓዓዝና ድማ ክልተ ናይቲ ከባቢ ሸፋቱ’ዮም መስለኒ (ጸኒሖም እቶም ኣስገርቲ ከምዘዕለሉና) ጎፍ በሉና። ጠበንጃ ዝሓዙ ብምንባሮም ኣዚና’ኢና ሰንቢድና። ምስቶም ኣሰገርቲ ሓጺር ዘረባ ድህሪ ምክያዶም ድማ፣ ሒዝናዮ ንዝነበርና መግቢ ክንሕቦም እንተዘይኮነ ግን ተኹሲ ተኲሶም ሰራዊት ክጽውዑልና ምዃኖም ሓብሩና። ዝነበረ ኣማራጺ ስለዘይነበረና ዝነበርና መግቢን ማይን ኣረከብናዮም። ገለ ካባና ውን ገንዘብ ዝሃቦ ነይሮም። ብኸምዚ ድማ ጎዕዞና ቀጸልና፣ ከባቢ ሰዓት 4 ድማ ኣብ ሓደ ቦታ በጻሕና ‘ሞ በቶም ኣስገርቲ ከነዕርፍ ተሓበረና። ንግሆ ከባቢ ሰዓት 10 ኣቢሉ ይኸውን፣ ሓደ ካብቶም ኣስገርቲ ናባና ገጹ ብምምጻእ፣ ‘ ከምዝርኣኹሞ ለይቲ ዝነበረኩም መግቢን ማይን ተመንጢልና ኢና፣ ስለዚ ሕጂ ገንዘብ ኣዋጽኡ’ሞ ቁሩብ ብስኮትን ማይን ከነምጽእ’ ብምባል ኣሓበረና። እታ ብድኻም ብጥሜትን ተሰኒፋ ዝነበረት ጉጅለ ድማ ሕራይ ብምባል ገንዘብ ኣዋጺእና ሃብናዮ። ናባይ ገጹ ጥምት ብምባል ድማ ‘ራህዋ  ንዒ ትሕግዝኒ ብሓንሳብ ንኺድ’ በለኒ። ኣነ ከምስ ንብድ ኢለ ንምንታይ ኣነ ይኸይድ በልክዎ፣ ‘ ኣይ እዞም ዓዲ ኣዋልድ እንተሪኦም ይድንግጹ’ዩም” ብምባል ዘየዕግብ መልሲ ሃበና። ሃደ ካብና ድማ “ደሓን ኣነ ውን ምሳኹም ይኸይድ” ብምባል ስክፍታይ መግትኢ ገበረሉ። ናብ ታሕቲ ናይቲ በዓቲ ብምኻድ ድማ ማይን ብስኩትን ገዛእና። ናብቲ ዝነበርናዮ በዓቲ ኣብ እንምለሰሉ ዝነበርና ግዜ ሓደ ካብቶም ኣስገርቲ ተወሳኺ ማይን ጉልኮስ ከምዘሎ ብምሕባር ንክወስዶ ሓበርኒ። ኣነ ውን እቲ ምሳና ዝነበረ መጓዕዝተይ ሰኸም’ቲ ዝተገዝ ማይን ካልእን ሒዙ ብምንባሩ፣ ብየዋህነት ምስቲ ኣስጋራይ ናብ ዝበለኒ ቦታ ተራመድኩ። ኣብቲ ንሕና ካብ ዝደቀሰናሉ ከባቢ ብዙሕ ዘይርሓቀ በዓቲ ኣእትዩ ድማ፣ ኮፍ ክብል ሓበረኒ። ነገራቱ ጋን ኮነኒ፣ ኣንትርፎ ሓንቲ ዝተነጽፈት ኣንሶላ ካልእ ምንም ማይ ኮነ ጉልኮስ ክርእይ ኣይከኣልኩን። ከም ቅጽበት ድማ ሽጉጥ ብምውጻእ፣ ስረይ ክፈትሕ ኣዘዘኒ። ብፍጹም ሓሲበዮ ኮነ ሓሊመዮ ዘይነበረ ፍጻሜ ብምንባሩ እንዳበኸኹ ክገድፈኒ ለመናይ ኣቅረብኩ። እቲ ብኣእምርኡ ዘይኮነ ብስምዒቱ ጥራይ ዝሃስብ ዝነበረ ኣስጋራይ ግን ክሰምዓኒ ኣይከኣለን። ዝደለዮ እንተዘይጌሩ ምርጫይ ሞት ምዃኑ ኣርድኣኒ። ድንግል ምዃንይ ብግልጺ ምስ ሃብርክዮ’ሞ መሊሱ’ዩ ገዲዱ። ምንም ድምጺ ከየስምዕ፣ ዝኾነ ድምጺ ምስዝገብርሞ ሰብ ምስዝመጽእ ነቲ ዝመጸ ሰብ ውን ከምዘይሕሮ ምስ ገለጸለይ ዝገብሮ ጠፍኣኒ፣ ብትሑት ድምጺ ንብዓተይ ከም ማይ እንዳዛረዪ ለምንክዎ። ንሱ ግን ወይከ፣ ሓይሉ ብምጥቃም ፣ --------------------‘ ራህዋ ዕላላ ክትቕጽለለይ ኣይከኣለትን፣ እንዳተነኽነኸት ምብካያ ቀጸለት። ካብቲ ዘቆራጸቶ ዕላል እንታይ ከምዝጋጠመ ንምግማቱ ዘየሽገር’ኳ እንተኾነ ዓቕሚ ረኺባ ክትቕጽለለይ ተመነኹ። ትምኒተይ ቁሩብ ‘ኳ ግዜ እንተወሰደ ካብ ምስማሩ ግን ኣይተሓንገደን። “ በቃ ነህለካ ነቲ ኣብ ሂወተይ ልዕሊ ማንም ክብሪ ዝሃበኒ ዝሃቆፈኒ ሳሚ ዝወሃብ ዝዓበየ ህያበይ ብሓደ ጨካን ኣረሜን ተመንጢለ፣” ብምባል ነዊሕ ኣስተንፈሰት። ድህሪኡ እንታይ ከምዘጋጠመ ተወከስክዋ።

‘ በቃ ድላዩ ምስረኸበ፣ ንሓደ ሰብ ትሒም ትብሊ፣ መጨረሻኺ ሞት’ዩ ብሰላም ናብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምእታውኪ ጥራይ ሕሰቢ፣ ብምባል ኣፈራርሓኒ። ናብ መጓዕዝተይ ድማ ተመለስኩ። እተን ምሳይ ዝሓደራ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣበይ ከምዝጽናሕኩ ኣብ ዝሓተታኒ እዋን ድማ መግቢ ክበልዕ ከምዝጸናሕኩ ገለጽኩለን። ዝገርመካ ዕደለኛ ኢኺ ንስኺ ይብላኒ ነይረን ውሽጠይ ዘይፈለጣ። ብድህሪኡ  ሰዓት 6 ከባቢ ተበገሱ ኢሎምና ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ድማ ኣብ ዶብ በጺሕና፣ እቶም ኣስገርትና ድማ ኣንፈትና ናበይ ከምእነብል ገሊጾም ኣንጻራዊ ኣንፈት ብምሓዝ ገዲፎማን ተዓዝሩ። ቁሩብ ድሕሪ ምኻድና ኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ረኸቡና።’ ክትብል ንኣሰቃቂ ጉዕዞኣ ኣካፋለትኒ። ራህዋ ታሪኻ ድሕሪ ምንጋራ ኣብ ከቢድ ሓሳብ ኣብ ዝተሸመመትሉ ግዜ ኣነ ነታ መጀመርያ ካብ ድቦላ ዝወደቐትኒ ሕቶኣ ኣብ ምስልሳል ኣተኹ። ካብቲ ዘዕለለትኒ ታሪኽ ምርኩስ ብምግባር ድማ ስክፍትኣን በሰላን ካብ ኣብ ነብሳ ዝገጠማ ሕሰም ኣብ ኣእምሮ’ቲ ከም ኣካላ ጌራ እትሓስቦ ኣፍቃሪኣ ሳሚ ዝስኣል ሕማቕ በሰላ ትሓስብ ከምዝነበረት በርሃለይ። ምስክነይቲ ራህዋ ንሂወታ ንምቅያር ኣብ ኣትሓስቦ ጉዕዞኣ መሊሱ ናብ ካልእ ሸግር ዝኸተታ መከራን መሪን ጉዕዞ ስደትን ኣሕሊፋ ኣብ ኢትዮጵያ’ኳ እንተበጽሐት፣ ኣብታ በዓቲ ዘጋጠመ በሰላ ግን ንዝተሰርቀ ክብረታን ተስፍኣ ኪንዮ’ታ በዓቲ ብምስጋር ናብ ዝኸደቶ ቦታ ካብ ኣእምሮኣ ምህሳስ ኣብይዋ ይርከብ።

‘ራህዋ ሓፍተይ ዘጋጠመኪ መሪር በሰላ ብቐሊሉ ዝሓስስ ‘ኳ እንተዘይኮነ ሰባት ግን ንፈተና ዝተፈጠርና ስለዝኾነ ንዝገጠምና ፈተናታት ምስጋር ግዴታና’ዩ እሞ ኣጆኺ በርትዒ’ ብምባል እየ ክፋነዋ መሪጸ። ራህዋ እዚ ኩሉ ፈተና ዝመልኦ ጉዕዞ ስደት ህይወታን ህይወት ናይቲ ብሃንቀውታ ዝጽበያ ጎበዝን ንምቅያር ዩ፣ ሂወት ኮለል ብምዃን ድማ ንዝተፈላልየ መንገዲ ሂወት ብምብዳህ የድሊ። ራህዋ ድማ ከም ምንዮታን ሃንቀውትኣን ሂወታ በቲ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጠማ መሪር በሰላ ከይተሰናኸለ ክቕጽል ሰናይ ትምኒተይ’ዩ፣ ኣብ ዘላቶ ድማ ጽቡቕ ይምነየላ።