ገዛእ-ርእስና ምዕናው

"ኤርትራዊ ወይ ሓበሻ ወይ ኣዝማሪኖ ወይ ወዲ ገለ ከባቢ ስለ ዝኾንኩ ካብ ዝገብሮም ኣነ ብምዃነይ ዝገብሮም ነገራትን ዘርእዮም ባህርያትን ብዝተዓጻጸፈ ይበዝሑ"

 “ብዘለና ዓቕሚን ክእለትን ፍልጠትን እንታይ ክንገብር ንኽእል እዩ ከገድሰና ዝግብኦምበር ንዘምለጠና ዕድላት እናዘከርና፡ ነቲ ኣብ እግርና ዘሎ ብዙሕ ዕድላት ንሕምትሎ እንተኾይንና ከይተፈለጠና ጸላእቲ ነብስና ንኸዉን ኢና

 “ኣብ ጸበብቲ ዓንኬል ምትእኽኻባት፡ ኣንፈተንን መበገሲአንን ዘይፍለጥ ጉጅለታት (ከባቢ፡ ዓሌት፡ እምነት ምርኩስ ገይረን) ነቲ ቀንዲ ውልቃዊመንነትና ጥሒነንንሕናዝብል ሕብርን መለይን ዘይብሉ ከንቱነት ኣጠሚቐንንፍቕሪ፡ ንሓልዮት፡ ንዕብየት፡ ንመሰልዝቖምና ዝብላ ከይሃለዋ ኣይተርፋን።

መእተዊ

ኣብ ስደት ኣብ ርእሲ’ቲ ብተደጋጋሚ ዘጓንፍ ካብ ደገ ዝምንጩ ጸገማትን በደላትን፡ ካብ ባዕልና ዝነቅል፡ ክረማምሰናን ነብስና ከም ዘይነልዕልን ከም ዘይነዕብን ዝገብረና ኣተሓሳስባታት ከይሃለወ ኣይተርፍን። ብፍላይ፡ ዕቑባ ኣብ እንሓተሉ ቦታታት፡ ቤት ጽሕፈታት ዘሎ ሽቑረራታት፡ ነናሻዕ እናመላለስና ኣብ ሓሳባትና እንተኣስተናጊድናዮ፡ ሰብ ምዃንና ክሳብ ንጸልእ ክገብረና ይኽእል። ሓደ ክልተ ፈተነ ኣካይድና ምስላጥ እንተኣብዩና፡ ተጓይና እንዕቖቦም ምስምሳት ከይሃለዉና ኣይተርፉን። ካብቲ ዘዕበየና ስድራቤት ጀሚርና፡ ሕብረተሰብ፡ ከባቢ፡ ሃገር፡ ኣህጉር ወዘተ ዝኽሰስ ኣበይ ከይሰኣን። ብመመልከቲቶ ኣእዳውና እናኣመልከትና፡ ‘ብሰንክኻ፡ ብሰንክኹም፡ ብሰንክኽን፡ ብሰንኪ እዚኦም፡ እቲአን፡ እቲኦም’ ወዘተ እናበልና ንጥልቕ፡ ንፍክር፡ ንረግም፡ ንጠርዕ፡ ንበኪ፡ ንሕርቅም፡ ንሕንሕን ንኸውን። ብተወሳኺ፡ “ክላእ፡ ብቐደሙ’ዶ ግዳ ንዓና ክሰልጠና! ንሕና’ዶ ይግበኣና ኮይኑ! ንዓናስ እዚ’ኳ ክውሕደና! ንሕና ድኣ ካብ መዓስከ ሓሊፍልና ይፈልጥ! ንዓናስ ግደፎ ጥራይ ገና ገና ኣፍንጫና ክንንከስ ኢና!” ወዘተ ዝብሉ ሓረጋት ኣሰኒና ነቲ ዝጎነፈና ኩነታት ንቕበሎ።

ዳርጋ ኩሉ ሰብ ደረጅኡን ንውሓት ግዜን ድኣ ይፈላለ እምበር፡ ነብሱ ኣብ ዘዕኑ ተግባራት ካብ ምጽማድ ወይ ምውፋር ዓዲ ዝውዕል ከም ዘየለ እዮም ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ዘመልክቱ፡፡ ኮነይ ኢልካ ኣካላት ምጉዳእ (ርእሲ ምስ መንደቕ ምልታም፡ ኣካላት ብሓዊ ምቅጻል፡ መንደቕ ብኢድካ ምህራም፡ ኢድ ብበሊሕ ምቕንጃሕ ወዘተ)፡ ኣብ ሓደገኛ ዝኾነ ዓዘቕቲ ወልፊ ምእላኽ (ከም ቁማር፡ ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ፡ ድራግ)፡ ብቐጻሊ ነብሲ ዘቑስል ሓሳባትን ኣተሓሳስባታትን ምሕሳብን ምዝራብን፡ ዘይዕዉት ዝምድናታትን ጥዕና ገዛእ ርእስኻ ዘይምክትታልን ድማ የጠቓልል። ኮነይ ኢልና ዲና ዋላ ከይተረዳኣና ንገብሮ ብዘየገድስ ውልቃዊን ማሕበራዊን ሳዕቤናት ከይሃለዎ ኣይተርፍን። እንተኾነ፡ እዞም ነብስና ዘዕንዉ ተግባራት፡ ኣገባባቶምን ኣቃውኦምን ብምልላይ፡ ነብስና ዘዕኑ ኣተሓሳስባታት ብምቕያርን፡ ነብስና ዘዕኑ ተግባራት ንኽንፍጽም ዝቕስቅሰና ነገራት ብምቑጽጻርን ነብስና ካብ ምዕናዉ ክንቁጠብ ንኽእል ኢና። 

ምናልባት፡ ኣካላት ምጉዳእ ወይ ኣብ ሓደገኛ ወልፍታት ምእላኽ ወይ’ውን ጥዕና ገዛእ ርእስኻ ዘይምክትታል መበገሲኡ ሓሳባትናን ኣታሓሳስባናን ከይኮነ ኣይተርፍን። ማለት ርዲኢትናን ኣተሓሕዛናን ተግባራትናን ነቲ ኣጓኒፍና ዘሎ ኩነታት የንጸባርቕ። ስለ ዝኾነ ድማ እዚ ጽሑፍ ናብቲ ካባና ዝምንጩ፡ ንሕና እንቆጻጸሮ፡ ሓሳብናን ኣተሓሳስባናን ኣዘራርባናን ኣበሃህላታትናን ከቃልብ ክፍትን እዩ። ብሓፈሻ፡ ገዛእ ነብስና ከዕንዉ ካብ ዝኽእሉ፡ እዞም ዝስዕቡ ይጥቀሱ፦

1. ሓባራዊ መጸውዒታት

ብተደጋጋሚ፡ ካብ ክልተ ዘይበዝሕ ሙሉእ ሓሳባት ብምጥቃም፡ ንምሉእ ሕብረተሰብ፡ ሃገር፡ ዓሌት፡ ከባቢ ብሓባር ክንገልጽ ንፍትን ኢና። ብዙሕ ግዜ ዝደጋገም ዘረባታት ስለ ዝኾነ ድማ ንሓንሳብሲ ዋላ ከይተረዳኣና እንብሎ እዩ ዝኸዉን። ከም መግለጺ ተግባራትናን ኣተሓሳስባናን ድማ ይውሰድ። ገሌና ድማ ካብቲ መጸውዒታት ውጽእ ዝበልና መሲሉና፡ ኣብ ማዕዶ ኮይንና ናብቶም ብዙሓት እናኣመልከትና (ኣብ ማዕዶ ዘለና እናመሰለና’ምበር ኣብቲ ክቢ ኢና ዘለና)፡ ኣቤት ከብል ዘይክእል መጸውዒ ተጠቒምና ዓንገረር ንብል። ገለ ኣብነታት ንውሰድ፡

• “ኣየ ሓበሻ ካብኡ ሓሊፍኩም ድኣ እንታይ ከይትገብሩ!” ካብዚ ጥቕላል በብጽሒትና እንተኣልዒልና ማለት ተተዘርዚሩኣየ ኣነ ሓበሻ ካብኡ ሓሊፈ ድኣ እንታይ ከይገብርእዩ ዝሽረፍ።

• “ሓበሻ፡ ኤርትራውያን ገጾምን ልምጽማጾምን እንተ ዝጠፍኡ!” ከኣ ከም ዘላታኣነ ሓበሻ፡ ኣነ ኤርትራዊ ገጸይን ልምጽማጸይን እንተ ዝጠፍእ (ኣቦይ፡ ኣደይ፡ ሓወይ፡ ሓብተይ፡ ጓለይ፡ ወደይ ድማ ምሳይ ክጠፍኡ) ከም ዝኾነ።

• “ሓበሻ ክብረት ኣየፍትወሎምን እዩ! ኤርትራዊ ዝረግጾ እዩ ዝፈቱ!” ድማ ከም ዘላታኣነ ክብረት ኣይፈቱን እየ ዝረግጸኒ እየ ዝፈቱማለት ምዃኑ።

እዚ ኣጸዋውዓ፡ ኣገላልጻ፡ ኣረዳድኣ’ዚ ሰላሕ እናበለ፡ ካብ ኣተሓሳስባ፡ ናብ ኣረዳድኣ፡ ካብ ኣረዳድኣ ናብ እምነት፡ ካብ እምነት ሓሊፉ ድማ መምርሒ ናብራና ናብ ምዃን ይኸይድ እዩ። ንውሳነታትና፡ ንሕልምና፡ ንዕብየትና ክጸሉን ክሃስን ድማ ተኽእሎ ከይሃለዎ ኣይተርፍን። ኣብ ከምዚ ኣባሃህላታት ተሸኲዕና፡ ንውድቀትናን ዘይምትሳእናን ምኽንያታዊ ክንገብሮ’ውን ንኽእል ኢና። ብኻልእ ድማ፡ እዚ ኩሉ ጉዕዞታት፡ ፍልሰታት፡ ስደታት ሲ ሕርሕራይ ገይሩ ክሓስየና፡ ክረግጸና፡ ክድህኸና ዝኽእል ገዛኢ ከነናዲ ኢና ተጓዒዝናዮ ዲና ክንብል? እሞ ከምዚ እንተኾይኑ ድኣ እዚ ኩሉ ኣብ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሳሃራ፡ ባሕሪ፡ እስራኤል ወዘተ ዘጋጥመና መርገጽቲ፡ ምቕንጣጥ ክብረት፡ ስለ ዝግበኣና ድዩ ክበሃል? ዓለም “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍጡር ክኽበር ኣለዎ” እናበለት፡ “ንሓበሻ፡ ንኤርትራውያን ሲ ደሓን ግደፉና ክብረት ኣይፍትወልናን'ዩሞ ኣውጽኡና” ዲና ንብል ዘለና፡ ባዕላትና?

እዚ ገምጋሚን ደምዳሚን ዝኾነ ኣተሓሳስባታትን ዘረባታትን ኣብ ኣተሓሳስባና፡ ውሳነታትና፡ ተግባራትና ብዙሕ ጽልዋታት ከይሃለዎ ስለ ዘይተርፍ ከነስተባህለሉን ብኣልማማ ንሰባት ካብ ምግላጽ ክንቁጠብን ዝያዳ ካብ ምግጋይ ከድሕነና ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ፡ ኤርትራዊ ወይ ሓበሻ ወይ ኣዝማሪኖ ወይ ወዲ ገለ ከባቢ ስለ ዝኾንኩ ካብ ዝገብሮም ኣነ ብምዃነይ ዝገብሮም ነገራትን ዘርእዮም ባህርያትን ብዝተዓጻጸፈ ስለ ዝበዝሑ። ንሳቶም እዮም ድማ ዝገልጹንን ዘጸዉዕንን። ሓሳባትናን ኣተሓሳስባናን መራሕቲ ተግባራትና ስለ ዝኾኑ፡ ብምፍላይ እንተተደጋጊሙ፡ ከም ሓደ መርሓ ተግባራትናን መበገሲ እንወስዶም ውሳነታትን ንኽኸውን ዓቢ ተኽእሎ ስለ ዘለዎ።

2. ክቱር ፍርሒ

ፍርሒ፡ ኣገዳሲ ምዃኑ’ዮም ክኢላታት ዝገልጹ፡፡ ጥዕና ዘለዎ ፍርሒ፡ ንኽመጽእ ዝኽእል ሳዕቤናት ተዳሊኻ ንኽትጸንሕ ይገብረካ፡ ኣቐዲምካ ድማ ክትዳለወሎም የኽእለካ። ዝኾነ ይኹን ፍርሒ ዘይስምዖ ሰብ ናብ ሕክምና ኣእምሮ ክኸይድ ከም ዘለዎ’ውን ይዝረብ እዩ። እንተኾነ፡ ልክዑ ዝሓለፎ ፍርሒ ጠንቂ ነብሰ-ዕንወት ከይኮነ ኣይተርፍን። መበገሲ ፍርሒ፡ ከጋጥም ዝኽእል ወይ ዘይክእል ሰናርዮ ብምፍጣር፡ ክስዕብ ዝኽእል ምስ ገመትና ዝወረና ስምዒት እዩ። ገሌና ሳሕቲ ገሌና ድማ ብተደጋጋሚ መበገስን ምንጪን ዘይብሉ ፍርሒ ንጉባእ ኢና። ወረ ገሊኡሲ መሰረት ዘይብሉ ፍርሒ ኢዩ። ዝሓሰብናዮ ወይ ዝወጠንናዮ እንተዘያጋጢሙ፡ ክስዕብ ንዝኽእል ሰናርዮታት ብዝግባእ ዘይምስኣል፡ ወይ ሳዕቤናቱ ካብ ልክዑ ምግናን ፍታሕ ንኸነምጽእ ዘይኮነ ዝሕግዘና፡ ዘይንኽእሎ ይመጸና ከምዘሎን ክንገብሮ እንኽል ከም ዘየለን’ዩ ደጋጊሙ ዘረጋግጸልና።

3. ኣማራጺታት ምውሓድ

ኣቐዲምና ክንዳለወሉን ክንውስኖን ዝግበኣና ብዙሕ እዩ። ቅልጡፍ ውሳነታት ዝደልዩ ጉዳያት’ውን ኣይሰኣኑን። “ኤውሮጳ ጥራይ ንእቶ’ምበር ካብኡ ድኣ እንታይ ዘይ ኩሉ ሓደ እዩ” ንብል ኣበይ ከይንሰኣን። “ዓዲ ኢንግሊዝ እንተዘይኮይኑ ክሳደይ ንኻራ” ዝበልናኸ ንህሉ’ዶ? “ዓሕ ኣነሲ ናብ ሆላንድ ዝሓሰብክዎ ኣብ ፈረንሳ ክኹለፍ” ዝበልናስ? “ፖሊስ ፍራንክፈርት እዮም ጉድ ገይሮምኒ’ምበር ሓሳበይሲ ኦስሎ እዩ ነይሩ” እናበልና ቁመና እቲ ዝሓዘና ፖሊስ ዝመላለሰናስ ሓደ ክልተ ንህሉ ኢና። ዝኾነ ምስ ኮነ፡ ‘ብኻ ከምዚ’ዶ፡ ከምቲዶ” ምባል እንትርፎ ነብስና ክሳጽየናን ክሓቕየናን ዝፍይዶ ኣበይ ክህሉ ኢሉ። ወረ ናብ ዝገደደ ጣዕሳን ጓህን ክስንድወና ይኽእል። ከም ዓለም ዝተወደአ ገይርና’ውን ክንወስዶ ንኽእል ኢና።

ኣቐዲምና ዝተፈላለዩ ተኽእሎታት (ሰናርዮታት) ብምሕሳብን ብምምጻእን ኣማራጺታት እንተኣዳሊና፡ “እዚ እተኾነ ጽቡቕ፡ ካብኡ ዝተረፈ ግን እዝን እዚን እዚን’ውን ከም ኣማራጺ ክወስድ እየ” እንብሎ እንተድኣ ሃሊና፡ ካብ ክስዕብ ዝኽእል ጣዕሳታት ከገላግለና ተክእሎ ከይሃለዎ ኣይተርፍን። ደሓር ድማ ኣብቲ ዘለናዮ፡ ብዘለና ዓቕሚን ክእለትን እንታይ ክንገብር ንኽእል እዩ ከገድሰና ዝግብኦ’ምበር ንዘምለጠና ዕድላት እናዘከርና፡ ነቲ ኣብ እግርና ዘሎ ዕድላት ንሕምትሎ እንተኾይንና ከይተፈለጠና ጸላእቲ ነብስና ንኸዉን ኣለና።

4. 'ኣሕዋትካ፡ ኣሓትካ' ምንዓቕ ወይ ኣትሒትካ ምርኣይ

ምስቲ ኣብ “ሓባራዊ መጸውዒታት” ተዘርዚሩ ዘሎ ብዝመሳሰል፡ “እዞም ጸለምቲ፡ እዞም ኣፍሪቃ” ዳርጋ ንገሌናሲ መውጺ ኣፍና እናኾነ’ዩ መጺኡ። ኣብ ክንዲ ናይጀርያውያን፡ ደቂ ኣይቨሪኮስ፡ ከንያውያን፡ ጋናውያን ወዘተ ብሓፈሽኡ “እዞም ጸለምቲ” እናበልና ንነበስና ግን ኣበይ ከም እንምድባ ዘይንፈልጥ ብርግጽ ኣለና። ዝገደደ ድማ ገሌና ዓው ኢልና ንብሎ ምዃንና እዩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይተረፈ ኮሪዕና እንብል ከይሃለና ኣይንተርፍን። “ምስ ጸለምቲ እንድዮም መዲቦምኒ፡ ምስ ኣፍሪቃውያን ኣጣይሶምኒ፡ ኣብ መንጎ ጸለምቲ እንድየ ኣትየ፡ እዞም ኣፍሪቃ እኮ! እዞም ጸለምቲ እዚኦም! እዞም ኣህባይ እኮ” ወዘተ. . .  እናበልና ንነብስና ብነብሰ ምልዓል እሞ ድማ መሰረት ዘይብሉ ከንቱነት እነዕኑ ከይሃለና ኣይንተርፍን። ባራክ ኦባማ ፍርቂ ጎኑ ጻዕዳ፡ ፍርቂ ጎኑ ጸሊም ክነሱ፡ ንነብሱ ከም ኣፍሪቃዊ፡ ከም ጸሊም፡ ከም ጸሊም ኣመሪካዊ፡ ከም ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ እናሓሰባ ድኣ ንሕና ከመይ ኢልና ኢና “እዞም ጸለምቲ፡ እዞም ኣፍሪቃ” እንብል? ንሕናኸ እንታይ ኢና? ወይ ምስ መን ኢና? ኢልካ ምሕታትሲ ከድሊ እዩ። ደሓር ድማ፡ ደቂ ምብራቕ ኤውሮጳ፡ ደቂ ሩመንያ፡ ኣዕራብ፡ ህንዳውያን ‘ይንዕቁና እዮም’ ኢልና ድቃስ ዘይብልና ንሓድር እንተኾይንና፡ ንሕና ድማ ድቃስ ንኸልኦም ሰባት ከይህልዉ ምስትብሃል ከድሊ እዩ።

5. ከንቱ ምትህልላኽ

ንዝኣመንናሉ ዕላማታት፡ ኣረኣእያታት ተስፋ ከይቆረጽና ተሃላሊኽና ዲና ተኸራራኺርና እቲ ዝግባእ ካብ ምግባር ድሕር ክንብል የብልናን። እንተኾነ፡ ንሓንሳብ ኣብ ፍረ ዘይብሉ፡ ወይ’ውን ንኻልኦት ሰባት ከነሕርቕ ወይ ተኸኽ ከነብሎም ብምባል ኣብ ኣነ ዝበለ ነገር ንኣቱ ንኸዉን ኢና። ሙሉ ዓቕምናን ግዜናን ገንዘብናን ከይተረፈ ብምውፋር ድማ ከነተግብሮ ንፍትን። እንተኾነ፡ እዚ ዓይነት ምትህልላኽን ምክርኻርን መብዛሕትኡ ግዜ ጽልኢ ኣብ ርእሲ ጽልኢ እናወለደ፡ ተመሊሱ ናብ ነብስና ዝፍንጀር ሕርቃንን ጣዕሳን ዘኸትለልና ምዃኑ እዩ። ወረ ንሓንሳብሲ፡ ካልኦት ከነሕርቕ ወይ ከነቖጥዕ ኢልና ዝገበርናዮ’ሞ ፈጺሙ እንተዘይ ኣቖጠዕዎም ወይ’ውን እዝኒ ተዘይገበርሉ፡ ባዕላትና ኢና ብሕርቃን ጣዕ ንብል። ኣየ ከምዚ ከጋጥም እንከሎ ዘሎ ሕርቃን! ካልእ ድማ፡ ከምዚ ክትበኪ ኢሉ ዝቕጥቅጠካ ሰብ እሞ ምብካይ ምስ ኣበኻዮ ተተመሊሱ ዝነድድ ምዃን’ውን ኣሎ። ብሓፈሽኡ፡ ከንቱ ምትህልላኽ ናብቲ ዝተሓተ ክንኮኖ እንኽእል ደረጃ ዝስንድወና ኩነታት እዩ።

6. ን’ፕሮሰስ’ ኮፍ ኢልካ ምጽባይ

ብፍላይ ኣብ መሰጋገሪ ሃገራት፡ ወይ’ውን ኣብ’ቲ ዝብጻሕ ዝበጻሕና እሞ ገና ወረቓቕቲ ዘይወዳእና፡ “እንታይ ድኣ ትገብር ኣለኻ” ዝብል ሕቶ “ፕሮሰስ ይጽበ ኣለኹ” ፡ “ወረቐት ይጽበ ኣለኹ” ወይ “ኮንግራ ይጽበ ኣለኹ” ብምባል ንምልስ ኢና። እዚ ‘ፕሮሰስ’ ሓንሳብ ኣብ ኣዋርሕ፡ ንሓንሳብ ድማ ዓመታት ክወስድ ንርእዮ ኢና። ክሳብ’ቲ ንጽበዮ ዘለና ዝመጽእ ወይ ውሳነ ዝወሃበና ግን ካልእ ነብስና ከነማዕብለሉ፡ ፍልጠት ክንውስኸሉ፡ ክእለት ከነጥርየሉ እንኽል ዕድላትከ ኣይህሉን’ዶ? ካልእ እንተ ተረፈሲ፡ ኣብ ኬንያ፡ ዩጓንዳ፡ ኢትዮጵያ ኮይንና ንዓዲ ኢንግሊዝ፡ ኣወስትራሊያ፡ ካናዳ፡ ኣመሪካ፡ ፈረንሳ ፕሮሰስ እንጽበ፡ ቋንቋ ኢንግሊዝ ድዩ ፈረንሳይ ክንመሃር ንኽእል ኢና። “ምስ ኣተና ነርክበሉ” ብምባል ሸለል እንብል’ውን ኣይንሰኣንን። ካልእ ሞያ’ውን ክንወሳስኽ ንኽእል ኢና። ስለ ዝኾነ፡ እቲ ኮፍ ኢልካ ምጽባይ፡ ኣእምሮና ዝመላለስ ዘቑስለና ሓሳባትን ዝኽርታትን ንኽመልእ ምቹእ ሃዋህዉ ስለ ፈጥረሉ ገለ ዝግበር ነገር ክህልወና ዝሐሸ እዩ።

7. ሕልሚ ምንኣስ

ብቐንዱ ስደት፡ ብዙሓት ካባና፡ ከም ኣማራጺ ሓሲብናዮ ዘይንፈልጥ ክንከዉን ንኽእል ኢና። ብፍላይ ብኸምቲ ናይ ዝበዛሕና ኣወጻጽኣን ኣመጻጽኣን። ወረ ገሌናስ በርጊግና ኢና መጺእና። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ክሳብታ መወዳእታ ሰዓት ዝኾነ ይኹን ምድላዋት ዘይንገብር። እንተኾነ፡ ሓንሳብ ምስ ወጻእና፡ ብፍላይ ኣብተን መሰጋገሪ ሃገራት እናሃለና፡ ኤውሮጳ፡ ኣወስትራልያ፡ ካናዳ ወይ ኣመሪካ ምኻድ ወይ ምእታዉ ከም ናይ መወዳእታ ሕልምና ንወስዶ። ሓንሳብ ኣብቲ ዝደለናዮ ሃገር ምስ ኣተና ድማ እቲ ዝሓለምናዮ ሕልሚ ተጋሂዱልና ወይ ዝጨበጥና ይመስለና። ሞት ከም ኣዳም ንብል! እዚ ግን ንሓጺር ግዜ እዩ። ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ ምእታዉ ከም ሕጽኖት ክሕሰብ ይከኣል እዩ። ብድሕሪ ሕጽኖት እዩ ናብራ ዝጅመር! ስደት ድማ ድሕሪ ኣብ መዕለቢ ሃገር ምእታው እዩ ዝጅምር! ስለ ዝኾነ ካልእ ዕብይ ዝበለ ሕልሚ ክህልወና ዘድሊ።ምኽንያቱ፡ ውሕስነት ዘለዎ መጻኢ ኣብ ዝሓሸት ሃገር ብምእታው ጥራይ ስለዘይካወን። ብተወሳኺ፡ እቲ ከም ሕልሚ ኢልና ዝሓሰብናዮ፡ ናይ መወዳእታ ዝብጻሕ ዘይኮነስ፡ ናብቲ ቀንዲ ሕልምና ዘብጽሕ መገዲ ስለ ዝኾነ። ማለት ናብ ኤውሮጳ ምእታው ሕልሚ ክኸዉን የብሉን። እንታይ ድኣ ኣብ ኤውሮጳ ኣቲና እንገብሮ እዩ ሕልምና ክኸዉን ዘለዎ። ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ ኣቲና ክንበጽሖ እንደሊ ደረጃ ናብራ፡ ዕብየት፡ ክህልወና እንደልዮ መነባብሮ፡ ክንህቦ እንኽእል ኣበርክቶ ወዘተ ክኸዉን ኣለዎ፡፡ ንሓንሳብ’ውን፡ ብፍላይ ኤውሮጳ ምስ ኣተና፡ ሃገራት ኣብ ምምራጽ እንጥቀመሉ ንግዚኡ ከርብሓና ዝኽእል ሮቛሒታት ምርኩስ ብምግባር ተዘይኮነ ይምረጽ። ምኽንያቱ፡ እቲ ግዚያዊ ረብሓ፡ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ዓመት ክንመንዎ ስለ ንኽእል። ስለ ዝኾነ ክኸዉን ይኽእል፡ ገሌና ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ ወዘተ ምስ ኣተና “ክላእ ሱቕ ኢልካ እዩ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ” ናብ ምባል እንኣቱ።

8. ስደት በቲ ልክዑ ዘይምቕባል/ዘይምርዳእ

ኣብ ብዙሓት ዘጋጥም፡ ግድን’ውን እዩ፡ ስደት ከምቲ ክኾኖ ዝኽእል ገይርና ኣቐዲምና ክንስእሎን ክንቀርጾን የጸግመና እዩ። ንሓንሳብ፡ እቲ ልክዕ ህይወት ስደት ስለ ዘይንገረና፡ ንሓንሳብ ኣቐዲሞም ዝተሰደዱ ፈለጥትና፡ ኣዝማድና፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ወዘተ ለላዕላዩ ጥራይ ስለ ዝነግሩና፡ ተተነግረና’ውን እቲ ብዓይንና እንርእዮ ተንቀሳቓስን ደረቕን ስእሊታት ናይ ታህታህ ዝብል ገጻትን ኣፍካ ማይ ዘምልእ ኣከዳድናን ሕፍስፍስ ዝበለ ነብስን ምስቲ “ስደት መሪር’ዩ” ዝበሃል ስለ ዘይቃዶ፡ ንሓንሳብ’ውን ዋላ ተተነገረና ክንቅበሎ ዘይምድላይ ወዘተ ተደማሚሩ፡ ምረትን ጣዕምን ስደት ብዙሕ ግዜ ካብ ግምታትና ወጻኢ ክኸውን ተኽእልኡ ዓቢ እዩ። ኣብ ሃገራት ኖርዲክ ዘሎ ቀዝሒ፡ ኣብ ካናዳ ዘሎ በረድ፡ ኣብ ኣመሪካ ዘጋጥም ንፋሳት፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዘሎ ናፍቖት ጸሓይ ወዘተ መን እሞ ክነግረና። እቲ ናፍቖታት፡ ጽምዋታት፡ ዝኽርታት፡ ሃጽ ኢልካ ንኽትከይድ ዝደፋፍእ ምዃኑኸ በየናይ ቃላት’ዩ ክጸሓፈልና። ኣብ ምምላኽ ቋንቋ፡ ምውህሃድ ምስ ሓድሽ ባህሊ፡ ኣገባብ ኣነባብራ፡ ኣጠቓቕማ መሳለጥያታት፡ ምንዳይ ስራሕ ወዘተ ምስ ተደመሮ’ሞ “ንድሕሪት ቑሊሕ ምባል ዘይተርፍ እዩ” ኢሉ ንኽንዳሎ ዝሕግዝን ዝሕብርን ተደላያይ እዩ። ብፍላይ ኣብ’ቲ መጀመርያ እዋናት ፈታኒ ብምዃኑ፡ እንተኾነ ኣቐዲሙ ካብኡ ዝተረፈ ድማ እትዉ ምስበልና ተተነጊርና ሓጋዚ ምኾነ። ብተወሳኺ፡ ክንጽበዮ ዝግባእ’ውን ኣሎ። ንፈትዎም ኣቦናን ኣዴናን፡ ዝዓበናሉ ዓዲን ከተማን፡ መማህርትናን መተዓብይትናን ገዲፍና መጺእና፡ ዋላ ክንርድኦን ክንግምቶን ንፈትን፡ ልክዕ ከምቲ ሓዊ ከም ዘንድድ’ኳን ንፈልጦ እንተኾንና ከምቲ ኢድና ኣብ ሓዊ ምስ ኣእተናዮ ዝስመዓና ቃንዛ ክስመዓና ግን ዝኽእል ኣይመስለንን።

9. ዘይምለሱ ሕቶታት

ብዙሓት ኣቐዲሞም ዝተሰዱ፡ ጠንቂ ስደቶም ዝነበረ መግዛእቲ ምስ ተኣለየ ክምለሱ ዘይከኣሉን ዘይደለዩን ዕምሮም ምሉእ ኣብ ስደት ዘሕልፉ እዮም። ነቲ ‘ሃገርና’፡ ‘ተወሊድናሉ’፡ ‘እጃምና ኣበርኪትናሉ’፡ ‘መዳሕንትና ዝተቐብረሉ’፡ ‘ንናፍቖም ዝናፍቑና ወለዲ ዘለውሉ’፡ ‘ዓድኻ’ዩ ክብረት’ ዝብልዎ፡ እንተኺኢሎም ኣብ ዓመት፡ ክልተ ዓመት፡ እንተዘይኮይኑ ድማ ኣብ ሓሙሽተ፡ዓሰርተ፡ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ሓንሳብ ዝኸድዎ ወይ’ውን ጠቕሊሎም ዘይከድዎ እዮም። እዚ ከም ‘ንቡር’ ዝተወስደ፡ ምስ ‘ናፍቖትካን ዝኽርኻን’ ምንባር፡ እዚ ሓዲሽ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይ ንኽቕበሎ ዘጸገሞ ይመስል። ናብ ሃገርና ንኽንምለስ ክቱር ድሌት’ኳ እንተሃለወና፡ መዓስ ከም እንምለስ ግን ኣይንፈልጦን። ‘እንደምበር ክንምለስ ኢና?’፡ ‘እምበርዶ ምስ ወለድና ክንራኸብ ኢና?’፡ ‘ኣብቲ ዘዕበየና ምስ መተዓብይትና ምስቶም ዘዕበዩና እንራከበሉ መዓልቲ ትመጸናዶ ትኸዉን?’፡ ‘ትምኒታትናን ባህግታትናን ሲ ይሰምርዶ ይከዉን?’ ዝብሉን ካልኦት ንትርጉም ምንባርን ህይወትን ዝቕስቕሱ ሕቶታትን እናተመላለሱ ካብ ዘሸጉሩና ከይኮኑ ኣይተርፉን። እዞም ኣሽንኳይዶ ፍታሕ ወይ’ውን ርቱዕ መልሲ ክርከቦም፡ ክንግምቶም’ውን ዘይንኽእል ሕቶታት ተሓንጊጥና ናብ ነብሎ ዘይብልና ብውሽጥና እናተቃጸልና እንነብር ውሑዳት መዓስ ኮይንና።

10. ብዝመጸ ንፋስ ክንውሰድ ዕድል ምሃብ

ንሓንሳብሲ፡ ሕስብ ተበልናዮ፡ ኣብ ኣመሪካ ወይ ኤውሮጳ ወይ ካናዳ ወይ ኣወስትራሊያ ኣቲና፡ እሞ ድማ ምስቲ ኩሉ ዘለና ዕድላት ትምህርቲን ስራሕን፡ ዝረአን ዝስማዕን ዝብጻሕን ዝዝወርን ዝኽየድን ቦታታት፡ ምልላይን ምፍላጥን ምትዕርራኽን ማእለያ ዘይብሎም ሕብረ-ሰባት ፍጹም እዚኒ ከይሃብና፡ ጸበብቲ ዓንኬል ምትእኽኻባት፡ ኣንፈተንን መበገሲአንን ዘይፍለጥ ጉጅለታት (ከባቢ፡ ዓሌት፡ እምነት ምርኩስ ገይረን) ነቲ ቀንዲ ውልቃዊ ‘መን’ነትናን ባህግናን ጥሒነን ‘ንሕና’ ዝብል ሕብርን መለይን ዘይብሉ ከንቱነት ኣጠሚቐን ‘ንፍቕሪ፡ ንሓልዮት፡ ንዕብየት፡ ንመሰል፡ ንኽብረት፡ ንታሪኽ፡ ንባህሊ’ ዝቖምና ዝብላ ከይሃለዋ ኣይተርፋን። ምስቲ ጽልግልግ ስደት፡ ቅልውላው መንነት ዓዲ ስደት፡ ሸቐልቀል ናብራ ስደት፡ እንተ ክንዕቆብ እንተ ከነተንፍስ ወይ’ውን ዓውዓው ክንብል ንኸደን ወይ’ውን ንደልየን ንኸዉን። ገሊአንሲ ከም ቃንጥሻ ዝቦቕላ፡ ፈንካዋት ግን ከኣ ዋላ ተዘይ ቀተላሲ ከቕሕራ ዝኽእላ ምትእኽኻባት፡ ነቲ ቀንዲ ዘገድሰና ሕቶታት ናይ ናብራና ዝምልሳ ዘለዋ ኣናመሰላ፡ ስደትናን መከራናን ዘናውሓ፡ ዕለታዊ ናብራና ዝሓማምሳ፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣዕሩኽትናን ጎረባብትናን ሓዊ ንኸእትዋልና ዝተዓጥቃ ካብ ምዃን ሓሊፈን ፍረ ዝህባ ኣይመስላን። እዘን ምትእኽኻባት እዚአን ገዛእ ህልውናና ቀቲለን ዝሰራን ንነብስና የዕንየን ዝስውዳን ንምሸቱ ድማ ተመሊሰን ጠቕሊለን ዝውሕጣናን ክኾና ተኽእሎ ኣለወን።