ኣምባሳደር ሰላም ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት በጺሓ

ስእሊ፥ ዩኒሴፍ

ስእሊ፥ ዩኒሴፍ

 

ኣምባሳደር ሰላም ዩኒሴፍ ዝኾነት ህብብቲ ህንዳዊት ተዋሳኢት ፕርያንካ ቾፕራ ዮናስ ምስፋሕ ዕድላት ትምህርቲ ንቆልዑ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ንምትብባዕ ኣብ ዝገበረቶ ናይ ሓደ ሰሙን ምብጻሕ ምስ ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ዓዲ-ሓሩሽን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተራኺባ።

ናብ ኣብ ውሽጢ መዓስከራትን ካብ’ተን መዓስከራት ወጻኢ ዝርከባን ዝተፈላለያ ኣብያተ-ትምህርቲ ፡ ከምኡ’ውን ንስደተኛታትን ኢትዮጵያውያንን ብሓባር እተገልግል ማእከል ጥዕና ዝበጽሐት እታ ኣምባሳደር፡ ኢትዮጵያ እትኽተሎ ዘላ ክፉት ፖሊሲ ስደተኛታት ብኻልኦት ክሰዓብ ዘለዎ ኣብነታዊ ስራሕ ከምዝኾነ ጠቒሳ።

 “ኢትዮጵያ ፡ ንሕና ከም ውልቀሰባትን መንግስታታት ብኲናትን ባሕርያዊ ሓደጋን ንዝመዛበሉ ወገናት ንምሕጋዝን ድሕነቶም ንምውሓስን ኽንኽተሎ ዝግባእ ክፉት ፖሊሲ ስደተኛታት ኣንጸባራቒት ኣብነት እያ፡” ትብል ኣምባሳደር ቾፕራ።

ካብ ዘይውሑስ ተወሳኺ ስደት ኽግትኡ ፡ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፋ ቀረባ ዓመታት ጀሚራ ህይወትን መነባብሮን እቶም ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ዕድላት ኣብ ምፍጣር ትጽዕት ከምዘላ  ይፍለጥ ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት፡ ኢትዮጵያ ንዝጸንሑ ሕግታት ብምሕዳስ  ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ወጺኦም ተወሳኺ ናይ ትምህርቲን ስራሕ መሰላት ኽህልዎም ዘኽእል ዉሳኔታት ምሕላፋ ይዝከር። ኣብ’ታ ሃገር ልዕሊ 60,000 ቆልዑ ዝርከብዎም 196,350 ተመሃሮ ስደተኛታት ከምዘለዉ እዩ ጸብጻብ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘረድእ።

ብዘይካ’ዚ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ምስ ከባቢኦም ተወሃሂዶምን ነብሶም ኽኢሎምን ነቲ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከብ ኢትዮጵያዊ ማሕበረሰብን ንቚጠባ እታ ሃገርን ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎም ንምግባር ካብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2017 ኣጠቓላሊ መርሓ ንጠለብ ስደተኛታት ተግባራዊ ገይራ ትርከብ።

ኣምባሳደር ሰላም ዩኒሴፍ ወ/ሮ ቾፕራ፡ ነቶም ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ዓዲ-ሓሩሽን ዝርከቡ ልዕሊ 50,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ማሕበረሰባት ኢትዮጵያ ንምውህሃድ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ መጒሳ ።

“ እዘን መዓስከራት ኣብ’ቶም ከባቢታት ንዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣዝየን ዝቐረባ እየን። ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ቆልዑ ልክዕ ከምቶም መዘናኦም ስደተኛታት ጸገም መነባብሮ ዘለዎም ብምዃኖም ፡ ንኽልቲኦም ወገናት ዘርብሑ ዕድላት ብማዕረ ክዉን ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡” ትብል ወ/ሮ ቾፕራ።

ኢትዮጵያ ሒዛቶ ብዘላ ቊጽሪ ስደተኛታት ኣብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ኡጋንዳ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ። ኣብ’ታ ሃገር መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ፡ ሶማልን ደቡብ-ሱዳንን ዝኾኑ ልዕሊ 900,000 ስደተኛታት ኣለው። ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት 175,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣለው።

 

ሊብያ፡ ካብ’ቶም ናብ ውሑስ ቦታ ዝግዕዙ ስደተኛታት እቶም ዝዳጎኑ ይበዝሑ

ስእሊ፥ ናርሲሶ ኮንቴራስ። ኣብ መዳጎኒ ማእከል ጋራቡሊ ናይ ሊብያ ዝተኣስሩ ስደተኛታት ማይን መግብን እንዳለመኑ።

ስእሊ፥ ናርሲሶ ኮንቴራስ። ኣብ መዳጎኒ ማእከል ጋራቡሊ ናይ ሊብያ ዝተኣስሩ ስደተኛታት ማይን መግብን እንዳለመኑ።

ጸጥታዊ ኩነታት ሊብያ እንዳበኣሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ዝዕገቱ ስደተኛታት ናብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ኸምዝኣትዉ ይግበር ምህላዉ ላዕለዋይ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ስደተኛታት ኣተሓሳሲቡ።

 ወሃቢ ቃል እቲ ኣህጉራዊ ኣካል ዝኾነ ባባር ባሎሽ ብ 4 ሰነ ኣብ ከተማ ጀኔቭ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ማእከላይ ባሕሪ ኽሰግሩ ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝተሓዙ ዘለዉ ስደተኛታት ከም ሓድሽ ናብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ኽኣትዉ ይግበር ከምዘሎ፡ ብዝሒ’ቶም ዝዳጎኑ ዘለዉ ሓደስቲ ስደተኛታት ድማ ኻብ’ቶም ካብ መዳጎኒ ማእከላት ናብ ውሑስ ቦታ ዝግዕዙ ስደተኛታት ልዕል ከምዝብል ኣተሓሳሲቡ።

 ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ’ዚ ዓመት ጥራይ 1,224 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዓጊቶም ናብ ሊብያ ከምዝመለስዎም፡ እቲ ኣሃዝ ድማ ኣብ ቀዳሞት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብጠቕላላ ዝተመዝገበ ቊጽሪ ዝልዕል ምዃኑ ይግለጽ ።

 ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ብዛዕባ እቲ ዝብእስ ዘሎ ድጎና ስደተኛታት መግለጺ ዝሃበ፡  ኣብ መዳጎኒ ዚንታን ናይ ከተማ ትሪፖሊ ተዳጒኖም ካብ ዘለዉ ስደተኛታት 96 ሰባት ከምዝልቀቚ ድሕሪ ምግባሩ እዩ። እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ሶማላውያንን ምዃኖም ዝተነግረሎም ስደተኛታት ክልተ ናጽላታት ከምዝርከብዎም ዘመልከት ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት፡ ናብ ግዝያዊ መጽለሊ ቦታ ኽውሰዱ ተገይሩ ምህላዉ ኣረዲኡ።

 “ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ነቶም ኻብ ድጎና ዘላቐቖም ስደተኛታት መግቢ፡ መድሃኒት ፡ ኽዳንን ኾቦርታን፡ መጽሊሊ፡ ከምኡ’ውን  ምኽራዊ ሓገዝ እንዳረኸቡ ክሳዕ ናብ ዝወሓሰ ቦታ ዝግዕዙ ኣብ’ቲ ግዝያዊ መጽለሊ ብኽንክን ክጸንሑ እዮም፡” ይብል ወሃቢ ቃል እቲ ላዕለዋይ ወኪል።

 እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ፥ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ዚንታን ዘሎ ኩነታት ዝበኣሰ ከምዝኾነ፥ ልዑል ቊጽሪ ተዳጎንቲ ስለዘሎ ሕጽረት ትንፋስ ብቐጻሊ ኸምዝረአ፡ ገለ ኽፍልታት ትቦታት ዓይኒ-ምድሪ ተበላሽዩወን ብቐልቀል ከዕለቕልቓ ይረኣ ኸምዘሎ ብምምልካት፡ ኣዚ ኣብ ጥዕና እቶም ተዳጒኖም ዘለዉ ስደተኛታት ቀጥታዊ ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ።

 ኣብ መዳጎኒ ማእከል ዚንታን ገና 645 ስደተኛታት ተዳጒኖም ከምዘለዉ እዩ ወሃቢ-ቃል ላዕለዋ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝገልጽ።

 ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፡ ስደትኛታት ብቕልጡፍ ካብ ሊብያ ንምውጻእ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ማሕበረሰብ ዓለም ብዝለዓለ ኽተሓባበር ኣቐዲሙ ንዝገሮ ጻውዒት ደጊሙ  ኣነጺሩ ኣሎ። ወሃቢ-ቃል እቲ ኣህጉራዊ ወኪል ኣብ መግለጺኡ፡ እቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተሓዙ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ንኸይምለሱ ዝተሓደሰ ጻዕሪ ኸምዘድሊ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ሊብያ ዝብእስ ዘሎ ዘይምርግጋእ ድሮ ንቁጽሪ እተን ስደተኛታት ጽዒነን ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ካብ ገማግም እታ ሃገር ዝብገሳ ጀላቡ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ኣውሪዱዎ ኣሎ። እዚ ምስ’ቲ ብ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ሓዪሉ ዘሎ ስርሒታት ምዕጋት ስደተኛታት ተደሚሩ ኣሽሓት ስደተኛታት ኤውሮጳ ናይ ምብጻሕ መደቦም ቕሂሙ ኣብ’ታ ሃገር ተዓጊቶም ንሕሰም ተቓሊዖም ይርከቡ።

ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ዘሎ ምእሳር ስደተኛታት ደው ኽብል ብቐጻሊ ክጽውዕ ጸኒሑ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ናይ’ዚ ዓመት ካብ ሊብያ 62 ስደተኛታት ናብ ሮማንያ 149 ድማ ናብ ዓዲ-ጥልያን ኸምዘግዓዘ ይፍለጥ።

ኣንፈት ዘጥፍአ ስደት ኤርትራውያን

መዓልታዊ  እንተ  ዘይበልና  ሰሙናዊ  ወይከኣ  ወርሓዊ  ኣብ  ከምዚ  ቦታ  ኤርትራዊያን  መይቶም  ተረኺቦም፡  ተቀቲሎም፡ ተጨዊዮም፡ ደቂ ኣንስትዮ ተዓሚጸን፡ ተሸዪጠን፡  ተሸዪጦም፡ ክንዲ’ዚ  ከፊሎም ንሰምዕ ኢና።  ንሰምዕ  ጥራይ  ዘይኮንና’ውን ኣካል  ናይቲ   ፍጻመ  ስለ ዝኮንና ብልክዕ ይጸልወና እዩ ።  ሰቓይናን መከራናን ኣብታ ናትና ዓድና እንብላ  ኤርትራ እዩ ዝፍለመና ።  ምስ  ወጸኣና  ከኣ  ናብተን  ንኸደን  ሃገራት  ኩሉ  መከራ  ኣይፍለናን  ኢዩ።  ንሎሚ  ክልተ  ፍጻመታት  ክንርኢ  ኢ።

ኣብ  መጀመርያ  ሰሙን  ናይ  ወርሒ  ግንቦት  ኣብ  መሬት  ግብጺ  ኣብ  ስዋን  ዝበሃል  ከባቢ  ዶብ  ሱዳን ሬሳታት ኤርትራዊያን ተረኺቡ  ዝብል  ዜና ኣብ ናይ ግብጺ  ማስሜድያን https://arabic.rt.com//# ናይ  ኤርትራዊያን  ዌብሳይታትን ተዘርጊሑ።

ኣባላት  ጸጥታ  ግብጺ ኣብ  ሐንቲ  መኪና   ናይ  ነጋዶ   ደቂ  ሰባት  ኤርትራዊያን ዝርከብዎም  ሬሳታት  ከምዝረከበ  ጽሒፉ  ኣሎ።   እቲ  ሬሳታት  ናይ  ነጋዶ  ደቂ  ሰባትን  ምስኦም  ዝሰግሩ  ዝነበሩ  ኤርትራዊያን  ምኻኑ  እቲ  ሐበሬታ  ይገልጽ።

images.jpg

ክሳብ  ሕጂ  ዝተረክበ ሓበሬታ ሓደ  ኤርትራዊን  ሓደ  ኢትዮጵያዊን  ምስቶም  ኣስገርቲ ሞይቶም ከምዘለዉ የመልክት። ብተወሳኺ፡ ካብቲ  ድንገት  ዝደሓና አርበዕተ   ኤርትራዊያን ደቂ ኣንስትዮ  ካብ  ኣስዋን  ናብ  ካይሮ  ከምዝሰገራን  ብሰላም  ኣብ  ኢድ  መንግስቲ  ግብጺ  ከምዘአተዋን ብዝሓት  ግዱሳት   ኤርትራዊያን  ድማ ኩነታተን  ይከታተሉ  ከም ዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።።

ብካልእ  ወገን    አብዚ   እዋን   እዚ   ብዙሓት  መንእሰያት  ስደተኛታት ብሰንኪ ህሉው  ኮነታት  ግብጺን  ሱዳንን  ኣበይ  ከምዝቅመጡ ጠፊእዎም  ካብ   ሱዳን   ናብ  ግብጺ  ካብ  ግብጺ  ከኣ  ናብ  ሱዳን   እና  ተመላለሱ  ኣብ  መንገዲ    ብመንግስትን ግብጺ ይተሓዙን ብዘይ  ተፈልጡ   ሰባት’ውን ይኽተሩን ኣለው።  በዚ   መሰረት  ብዙሓት  ኤርትራዊያን፡ ኢትዮጵያዊያን፡ ሱዳናዊያንን ደቂ ካልኦት  ሃገራትን ብአባላት  ጸጥታ ግብጺ ተታሒዞም ኣብ  ሸላል  ዝበሃል  ቦታ  አኪቦሞም    ኣለዉ።

ኣተሓሕዛኦም ብክልተ   መንገዲ   እዮም   ዝረኣዩ፡  እቶም  ካብ  ሱዳን  ብኣሳገርቲ  ናብ  ግብጺ  እና  ሰገሩ  ዝተተሓዙ   ስደተኛታት  ጉዳዮም  ከቢድ  ኮይኑ   ኣብ  UNHCR   ስለ ዘይተመዝገቡ   ናብ  ሃገራቶም  ከይሰጉዎም ስግኣት ኣሎ።  እቶም  ካብ  ካይሮ   ናብ   ሱዳን   እና   ሰገሩ  ዝተተሓዙ   ስደተኛታት  ከኣ  እቶም  ኣብ  UNHCR   ዝተመዝገቡ  UNHCR  ከተውጽኦም  ትኽእል  ኢያ።  ድሮ  ከኣ  14  ስደተኛ  ካብቲ  ሸላል  ዝበሃል  ዘሎ  ቦታ  ካይሮ  ኣቲዮም።  ናይቶም ዝተረፉ ድማ  ጉዳዮም  ተጻሩ  እቶም   ምዝጉባት  ከወጽኡ  እቶም  ዘይተመዝገቡ ድማ  ኣብኡ  ክጸንሑ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ጥንቃቐታት ክገብሩ ይላበዉ

ሱዳን ናዕቢ.PNG

ዑመር ኣልበሽር ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ብህዝባዊ ተቃውሞ፡ ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ንደሓር፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ጸጥታ ሱዳን፡ ብፍላይ ድማ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዝርከብ፡ ወኪል ኣፍሪቃ ሞኒቶርስ ምስ ገለ ኤርታውያን ስደተኛታት ሓጺር ዝርርብ ኣካዪዱ ኣሎ።  

ተወልደ መሓሪ ይበሃል ኣብ ኮዓቲት እትበሃል ዓዲ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣብ 2015 ካብቲ ከም ወተሃደር ተመዲብሉ ዝነበረ ከባቢ ዓድ-ኻላ ብስግረዶብ ናብ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ራማ ኣትዩ። ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታዉ ብኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ንስለያዊ ንጥፈታት ዝመጻእካ ኢኻ ብምባል ንሓደ ዓመት ብጽኑዕ ትኣሲሩ ቀጻሊ መርመራታት ተግይርሉ። ኣብ መወዳእታ ግን ንሱ ነቲ ገደብ ዘይብሉ ዕስክርና ብምርሕራሕ ውልቃዊ ናብርኡን ሰላማዊ ዝኾነ ሂወት ክመርሕ ናብ ኢትዮጵያ  ከም ዝመጸን ብተደጋጋሚ ኣብቲ ዝግበረሉ ዝነበረ መርመራታት ድሕሪ ምሕባር ናጻ ተለቒቑ። ብኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ መሪሑ ድማ ናብ ማዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ኣምረሐ፡፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ሕጻጽ እኹል ዝኾነ ቀረብ መደቀሲ ፡ ማይ ፡ መግቢ ዘይነበሮ ክነሱ ብኤርትራውያን ስደተኛታት የዕለቅሊቁ ጸንሖ። ነዚ ምሰስተባሃለ ድማ ተወልደ ንኣዲስ ኣበባ ከምርሕ ወሰነ። ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ናይ ውሕስነት መቀበሊ ወረቀት ዝሰደሉ ቤተሰብ ኣይነበሮን። ነቲ ዝነበረ ኩነታት ድማ ብፍጹም ክቅበሎ ኣጸገሞ ። ድሕሪ ገለ እዋናት ግን ካብ ሕጻጽ ናብ ሱዳን ዘስግሩ ደላሎ ኣብቲ ማዓስከር ከም ዘለዉ ጽንጽንታት ስለ ዝሰምዐ ናብቶም ደላሎ ቀሪቡ ክዘራረብ ጀመረ ። ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ሱዳን ከቅንዕ ምስቶም ደላሎ ተረዳድአ። ብኣስታት 60 ሽሕ ብር ድማ ናብ ሱዳን ተበጊሱ። ሱዳን ብሰላም ድሕሪ ምእታዉ ጉዕዝኡ ናብ ሊብያ ቀጸለ። ኣብ ዶብ ሱዳን ብኣባላት ጸጥታ ሱዳን ስለዝተታሕዘ ግን ናይ ሊብያ ጉዕዝኡ ተጎናደበ። ኣብ ዱንጉላ ዝበሃል ዓዲ ናይ ሱዳን  ዝርከብ እስርቤት ድማ ንኣስታት 8 ወርሒ ትኣስረ፡፡ ኣብ መወዳእታ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ተራእዩ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ክምለሱ ከም ዘለዎም ድማ ተወሰነሎም ። ናብ ማዓስከር ሸገራብ ድማ ተመልሰ። ተወልደ  ብሰንኪ እቲ  ዘጋጠሞ መሳንኽል የእሙራዊ ነውጺ ኣኸቲሉሉ ስለዝነበረ የእምሩኡ ኣብ ንቡር ክሳብ ዝምለስ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ኣስታት 1 ዓመትን 6 ወርሕን ገብረ ኣብ ሸገራብ ካብ ፈለጥቱን መቅርቡን ጽቡቅ ክንክን ስለዘይተፍጎ  ኣብ 2018 ናብ ካርቱም ዳግማይ ተመልሰ ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ተወልደ ራክሻ ( ላምፕረታ ዝዓይነት 3 እግረን ተሽከርከርቲ ኣብ ካርቱም ከም ታክሲ ዘገልገላ እየን ብልምዲ ኣብ ኢትዮጵያ  ድማ ባጃጅ ይበሃላ ) እና ሰርሐ ሂወቱ ይመርሕ ኣሎ ።  

ተወልደ ሓደ ካብቶም ድሕሪ እዚ ናይ ሱዳን ኩነታት ምፍጣሩ ግዳይ ከታሮ ሱዳናውያን ኣብ ውሽጢ ካርቱም ዝኾነ ሰብ እዩ ምስኡ ዝገበርኩዎ ሓጺር ዕላል ይስዕብ ።

መኣስን ኣበይን እዩ ኣጋጢምካ ተወልደ እዚ ኣብ ልዕለኻ ዝተፈጸመ ክትራን ?

ተወልደ ፦ እዚ ፍጻመ ኣብ ከተማ ካርቱም ብዕለት 17/04/2019 እዩ ኣጋጢሙኒ። ሽዑ ኣዝዩ ብርቱዕ ነውጺ ናይ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ዝነበረሉ እዋናት እዩ ። ከባቢ ሰዓት 11፡00 ናይ ምሸት እዩ ነይሩ። ኣብ ከባቢ ማዓሙራ ዝበሃል ቦታ ኩንትራት ሰብ ኣብጺሐ ክምለስ ከለኹ እዩ፡፡ 3ተ ስቪል ዝተኸድኑ ሰባት እዮም ናባይ መጽዮም ኩንትራት ከተብጸሓና ንደሊ ኣለና ኢሎምኒ፡፡ ሓራይ ጸገም የሎን ኢለዮም ናበይ ምኻኖም ከይነገሩኒ ተሰቂሎም ናበይ ዲኹም ኢለ ሓቲተዮም ደሓን ክነግረካ ኢና ኣበግሳ ጥራይ ምስ በሉኒ ዝነግሩኒ መሲልኒ እታ ራክሻይ ኣበጊሰያ ድሕሪ ገለ ደቃይቅ ኣብ ሓደ ጸላም ዘለዎ ምስ በጻሕና ደው ኣብላ ይብለኒ ሓደ ካብኣቶም። ደው ምስ ኣበልኩዋ ኤርትራዊ ዲኻ ዋላ ኢትዮጵያዊ ይብሉኒ። ኤርትራዊ ይብሎም እስከ ብጣቃኻ ( ኣብ ሱዳን ንስደተኛ ዝወሃብ ካርድ ከም መንበሪ ፍቃድ ዘገልግል እዩ ) ኢሎም ይሓቱኒ ይህቦም ። ነቲ ብጣቃይ ምስ ረኣይዎ ኣባላት ጸጥታ ኢና ደሊናካ ኣለና ውረድ ይብሉኒ ማለት እዩ ። እንታይ ዝገበርኩዎ ኣሎ ክወርድ ኣይክእልን እየ ምስ በልኩዎም እቶም ክልተ ሸጋጉጥ ኣውጺኦም ውረድ ኣይትተሃላለኽና ምስ በሉኒ ኣይወርድን ይብሎም ፡ ሰረቅቲ ምኻኖም ክትርዳእ ዓው ዓው ኢሎም ይዛረቡ ኣይነበሩን ሰባት ከይሰምዕዎም ቀስ ኢሎም እዮም ዝዛረቡ ነይሮም ። ብድሕሪኡ እቲ ሳልሳዮም ብምንታይ ምኻኑ ኣይርዳኣንን እዩ ብመቀመጫ ካዝና ናይ ሽጉጥ እዩ መስለኒ ኣብ ክሳደይ ምስ ሃረመኒ ብድሕሪኡ ዝነበረ ፍጻመ ክዝክሮ ኣይክእልን እየ ። ከባቢ ሰዓት 2፡30 ይኸውን ናይ ለይቲ ካብቲ ኮማ ኣትየሉ ዝነበርኩ ይበራበር ጁባይ እንተ ፈተሽኩ ገንዘበይ የለ ገለ የለ። ማሕፉዳይ ድማ ተበታቲኑ ኣብቲ ጥቃይ ካልእ ኣብቲ ማሕፉዳይ ዝነበረ ወረቃቅቲ እውን  ኣብቲ ቦታ ኣነ ወዲቀሉ ዝነበርኩ  ፋሕ ፋሕ ኢሉ ኮታስ ኩሉ ኣብ ጁባይን ራክሻይን ዝነበረ ገንዘብ ኣስታት 5 ሽሕ ጂነን 300 ዶላርን ወሲዶሞ። ኣብ ራክሻይ ዝነበረ ዝተፈላለየ ስልማታት እውን ቀንጢጦም እዮም ወሲዶሞ ። ዋላሓንቲ ዝግበር ኣይነበረን ኩነታተይ ክሳብ ዝፈልጥ ቁሩብ ህድእ ድሕሪ ምባል ናብ ገዛይ ኣምሪሐ ምሳይ ትቅመጥ ጋል ሓውቦይ ኣላ ገዛ ድሕሪ ምብጸሐይ ገለ ከም ዘጋጠመኒ ካብቲ ዓሲሉኒ ዝነበረ መንፈስ ክትርዳእ ክኢላ። ሰንቢዳ ደሓን ዲኻ ምስ በለተኒ እቲ ዘጋጠመኒ ኩሉ ብዝርዝር ሓቢረያ ማለት እዩ ። ንሳ ውን ብግዲኣ ብጣዕሚ እያ ስንቢዳ።

ብድሕሪ እዚ ፍጻመ ናብ ፖሊስ ሓቢርካ ዶ ?

ተወልደ ፦ እወ ግን ብዙሕ ዝግደሱ ኣይኮኑን ምኽንያቱ ንሳቶም ውን ካብ ከምዚ ዓይነት ንጥፍታት ናጻ እዮም ዝብል ርድኢት የብለይን ክብሎም ውን ኣይክእልን እየ ። እዞም ዝኽትሩ ዘለዉ ዳርጋ መብዛሕትኦም ዕጡቃት እዮም ማለት ሸጋጉጥ ዝሓዙ እዮም መን ዝሃቦም ሸጋጉጥ እዩ ኢልካ ክትግምት ትኽእል ። እዞም ሰባት ወይ ኣባላት ጸጥታ እዮም ወይ ድማ ኣባላት ፖሊስ እዮም ስለዚ ሎሚ ኣብ ሱዳን ደፊርካ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ዘጸግም እዩ ። እቲ ኩነታት ምስ ምቅያሩ ድማ ከምዚ ዓይነት ፍጻመታት እናብኣሱ ይመጹ ኣለዉ ። ካልእ ይትረፍ ስደተኛ ብፍላይ ድማ ኤርትራዊ ምኻንካ እንድሕር ፈሊጦም ጸላም ተጎልቢቦም ክሳብ ገዛኻ መጽዩም ንብረትካ ዚዘምቱኻ ውን ኣለዉ ።

ኣህግራዊ ማሕበር ስደተኛታት ማለት UNHCR ብዛዕባዚ ጉዳይ እንታይ ኣፍልጦ ኣለዎ ትብል ወይ ውን ብጉዳያትኩም ዝምልከት ሓበሬታ ኣብጺሕኩምሎም ትፈልጡ’ዶ ?

ተወልደ ፦ ብሓፈሻ ኣነ ብዛዕባ ኣህግራዊ ማሕበር ስደተኛታት ዕሙቅ ዝበለ ኣፍልጦ የብለይኒ እዚ ኮይኑ ግን ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ እዚ ህዝባዊ ናዕቢ ናይ ሱዳን ክጅምር ከሎ ብዛዕባ ኩነታትና ብዝምልከት ከነፍልጦም ከድና ነይርና ፡ ንሳቶም ግን ከም ስደተኛታት ክንፈልጠኩም እንድሕር ኮይና  ናብተን ስደተኛታት ዝርከቡለን መዓስከራት ከድኩም ተመዝገቡ ኣብኡ ንዘለዉ ስደተኛታት ኢና ኣፍልጦ ንህብ ኢሎምና ብድሕሪኡ ኣይተመለስኩዎምን ። ሓፈሻዊ ግን እቲ ማሕበር ንኣሰራርሕኡ ብዝምልከት ሰባት ከማሪሩሉን ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣሉታዊ ዝኾነ ኣጠማምታን እዩ ዘለዎም ብዝህቦ ኣገልግሎት ብዙሕ ዝነኣድ ማሕበር ኣይኮነን ። ንስደተኛታት ጸጥታዊ ውሕስነት ዘይህብ እንድሕር ኮይኑ ኣህግራዊ ማሕበር ስደተኛታት ክትብሎ ዝጸግም እዩ ።   

ኣብ መወዳኣታ ነዞም ስደተኛታት ተማሓላልፎ መልእኽቲ እንተሎ ዕድል ክህበካ ?

ተወልደ ፦ እንታይ እሞ ክብል እየ ! ብሓፈሻ እዚ ኩነታት ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ዘሎ  ኩሎም ብሓደ ይዕዘብዎ ኣለዉ ፡ ውሑስ ኣይኮነን ዘሎ ነዚ ተገንዚቦም ድማ ኣብ ውልቃዊ ንጥፈታቶም ብጥንቃቀ ክጎዓዙ እየ ዝምዕዶም ። ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ጥንቁቃት ክኾና ኣለወን ኣብ ከምዚ ኩነታት ክጉደኣ ወይ ውን ክዕመጻ ዘለዓለ ተኽእሎ ዘለወን ንሳተን እየን ።

መተሓሳሰቢ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን

ወኪል ወጻኢ ጉዳያት መንግስቲ ሱዳን ናብ ኩለን ኣብ ሱዳን ዝርከባ ኤንባሲታት ሓደ ህጹጽ ሓበረታ ሰዲዱ ኣሎ ። ትሕዝቶ ናይቲ ሓበሬታ ድማ ዝኾነ ወጻእተኛ ኣንጻር meንግስቲ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ ዝተሓወሶ ሰልፊታት ንኸይሳተፍን ኢዱ ንኸይእቱን ኮምኡ ውን ዝኾነ ተንቀሳቀስን ደረቅ ስእሊታት ከይወስደን ብመንገዲ ናብዘን ኤምባሲታት ዝሰደዶ ሓበሬታ ብጥብቂ ኣጠንቂቁ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ነተን ኤንባሲታት ዜጋታተን ካብ ከምዚ ዓይነት ንጥፈታት ክቁጠቡ ክምዕዳን ክሕብራን ተላብዩ ። ነዚ መምርሒ ጥሒሱ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሰልፊታት ዝተረኽበ ወጻእተኛ ኣብ ልዕሊኡ ዝውሰድ ስጉምቲ ከቢድ ከም ዝኸውን ውን ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ሱዳን ውን ሓላፍነት ከምዘይወስድ ገሊጹ።

እዚ ነዞም ሕጋውያን ወጻእተኛታት ዝምልከት ጥራይ ብዘይምኻኑ ነቶም ከም ስደተኛታት ኮይኖም ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ዘለዉ ደቂ ካልኦት ሃገራት ውን ዘጠቃልል ከም ዝኾነ ተፈሊጡ ። ስለዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነዚ ብጉቡእ ተረዲኦም ካብ ከምዚ ዓይነት ንጥፈታት ክቁጠቡን ኣብቲ ሰልፊ ዝካየደሉ ከባቢታት ክርከቡ ከም ዘይብሎም ኣጥቢቅና ነታሓሳስብ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፡ መንግስቲ ሱዳን ንማዕከናት ዜናታት ኣልጀዚራ ፡ ስካይ ኒውስ ፡ ኣል ዓረብያን ኣል ሓደስን ኣብ ሱዳን ዝነበረን ንጥፈታት ክድስክልን ዝኾነ ዜናታት ኣብ ውሽጢ ሱዳን ንኸይሰርሓን ከልኪልወን ኣሎ ፡፡

IMG_2329768214847.jpeg

ህሉው ኩነታት ሱዳንን ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጥሞም ዘሎ ሽግራትን

ዑመር ኣልበሽር ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ብህዝባዊ ተቃውሞ፡ ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ንደሓር፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ጸጥታ ሱዳን፡ ብፍላይ ድማ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዝርከብ፡ ወኪል ኣፍሪቃ ሞኒቶርስ ምስ ገለ ኤርታውያን ስደተኛታት ሓጺር ዝርርብ ኣካዪዱ ኣሎ።  

smret-and-sabela2.jpg

ኤርትራዊት ስደተኛ ወ/ሮ ጽገረዳ ተኽልሰንበት ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ሰሓፋ ዝበሃል ከባቢ እያ እትነብር ። ወ/ሮ ጽገረዳ ምስ ክልተ ደቃ ካብ ባረንቱ እያ ኣብ 2013 ብመንገዲ ሓፊር ናብ ሱዳን ዝኣተወት ። ኣብ ሓፊር ድሕሪ ምእታዋ ድማ ብሸፋቱ ማለት ነጋዶ ደቂ ሰባት ተኸቲራ ንሳን ደቃን ኣስታት 4500 ሽሕ ዶላር  ክትከፊል ተገዲዳ ። ብድሕሪኡ ብኣባላት ጸጥታ ሱዳን ተዓጂባ ናብ ማዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ኣምሪሓ ። ኣብ ሸገራብ ንኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ድሕሪ ምጽናሕ 300 ዶላር ብምኽፋል ብመገዲ ደላሎ ብኣዝዩ ፈታኒን ሓደገኛን ዘይሕጋዊ መንገድን ንሳን ደቃን ናብ ካርቱም ኣምረሐት ። ጽገረዳ ንመዓስከር ሸገራብ ክትገድፎ ዝወሰነት እኹል ዝኾነ ቀረብ ዘይብሉ፡ ንማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝበቅዕ ትሕተ ቅርጺ ዘየዋደደ  ኮምኡ ውን እቲ ቦታ ብብዝሒ ተላባዕቲ ሕማማት ዝረኣየሉ ብምኻኑን፡ ብዓቢኡ ድማ ጸጥታ ናይቲ ከባቢ ውሑስ ብዘይምኻኑ፡ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባት ግዳይ ነጋዶ ደቂ ሰብ  ብምኻኖም  ሂወታን ሂወት ደቃን ከተድሕን ናብ ካርቱም ከም ዘምረሐት ትሕበር ። ሓጺር ዕላል ምስ ጽገሬዳ ይስዕብ።

ሱዳን ኣብዚ ግዜ`ዚ ኣብ ከቢድ ወጥርን ህዝባዊ ናዕቢን እያ ትርከብ ስለዚ ንዓኹም ከም ስደተኛታት ኣብ ማሕበራዊ ሂወትኩም ከመይ ይጸልወኩም ?

ጽገረዳ ፦ ብጣዕሚ ይጸልወና እንበር። ሓደ ብዓቢኡ ኣብ ጸጥታዊ ኩነታትና ውሕስነት የብልናን ፡ ምኽንያቱ ንሕና ስደተኛታት ብምዃና ነዚ ከም ‘ጽቡቅ ኣጋጣሚ’ ተጠቂሞም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተፈላለየ ዘረፋታትን ዓመጻን ዘውርዱ ኣይተሳእኑን፡፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቅንስትዮ ስደተኛታት። ካልኣይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ኩነታትና። ገዛ ኽራይን ካልእን ብልዕሊ 3 ዕጽፊ እዩ ወሲኹ ዘሎ፡፡ ኩሉ እቲ ስደተኛ ድማ ኣብ ገዛ ኽራይ እዩ ዝነብር። ስለዚ እቶም ዋናታት ነዚ ሎሚ ሱዳን ሕጊ ኣልቦ ኮይናትሉ ዘላ እዋናት ከም ጽቡቅ ኣጋጣሚ ተጠቂሞም ንሓደ ገዛ ኽራይ ብልዕሊ 3500 ጂነ ሱዳን ከካርይዎ ይረኣዩ ኣለዉ ። ሎሚ ኣብ ሱዳን ብትሕቲ 3000 ጅነ ንሓንቲ ገዛ ክትረክብ ዘይሕሰብ እዩ ። ንኣብነት፡ ኣነ ብ1000 ጂነ ተኻረዮ ዝነበርኩ ገዛ እዚ ኩነታት ድሕሪ ምጂማሩ ዋና ገዛይ 3000 ሽሕ ክትከፍልኒ እንተ ዘይኪእልኪ ገዛይ ግደፍለይ ኢሉኒ። ዝግበር ነገር የሎን ናበይ’ከ ክትከይድ። ዋላ ውን ኣብ ድካናት እንድሕር ከድካ! ኣነ እንድዒ ነቶም ስደተኛታትን ደቂ ሃገርን ብሓደ ዓይነት ዋጋ ይሸጡልና ኣለዉ ዝብል ገምጋም የብለይን ። ብፍላይ ሓበሻ ምኻንካ እንድሕር ፈሊጦም ዋጋ ወሲኾም እዮም ዝህቡኻ ኩሉ ድማ ድሕሪ እዚ ዝተፈጥረ ኩነታት እዩ ።

ኣብ ጸጥታዊ ኩነታት ክንዛረብ። ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ጸጥታዊ ኩነታት ብምውድዳር ሎሚ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለኹም ?

ጽገረዳ ፦ ኣብ ጸጥታ እሞ ከም ስደተኛ ዋላ ቅድሚ ሕጂ መንግስቲ ከይወረደ ኸሎ  እንድዩ ውሑስ ዘይነበረ። ብግፋ ወዲ ግፋ እንዳ ገበሩ ነቲ ስደተኛ የከላብትዎ እዮም ነሮም። ሎሚ እዚ ተሪፉ ስቪል ዝተኸድኑ ሸጋጉጥ ዝዓጠቁ ኣባላት ጸጥታ ኢና ብሃልቲ ብለይቲ ኣብ ጎደናታት ብምጽናሕ ዓፊኖም ካብዛ ከተማ ርሕቅ ኣብ ዝበለ ከባቢ ይወስዱኻ እሞ ዘለካ ንብረት ወሲዶም ‘ክንለቀካ ገንዘብ ሓውል ወይ ስደድ በሎም ነቶም ቤተሰብካ’ ይብሉኻ። ብጭቡጥ እየ ዝብለካ ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወረዶም ኣብዚ ጎረባብተይ ኣለዉ ከራኽበካ ይኽእል እየ ። ሕሉፍ ሓሊፎም ኣብ መንበሪ ገዛኻ  መጽዮም ሰሪቆምካ እዮም ዝኸዱ  ዋላ ሓንቲ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ ነዛ ሂወትካ ኢኻ ትፈርህ ምኽንያቱ  ሸጋጉጥ ዝዓጠቁ እዮም። ንፖሊስ ኣብ ትሕብረሉ ድማ  እቲ ጉዳይ ከነጻርዮ ኢና ኢሎም ሸለል ይብሉኻ፡ ምኽንያቱ ንሳቶም ውን ካልእ ዋኒን ኣለዎም ኣድህቦኦም ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ እዩ። ቀጻሊ ምስ ሰለፈኛታት ስለዝራጸሙ ነዚ ኣብ ልዕለና ዝወርድ ዘሎ በደል ከም ገበን ኣይቆጽርዎን እዮም ።

ክልተ ደቀይ ውን ኣለዉ ተምሃሮ እዮም እዚ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ዝጅሚር ትምህርቲ ኣቃሪጾሞ ኣለዉ። ባዕለይ ከቃርጽዎ እየ ገዲደዮም ምኽንያቱ ውሕስነት የብሉን። ንኣብነት እቲ ዝመሃሩሉ ከባቢ ቀጻሊ ህዝባዊ ናዕቢ ማለት ሰልፈኛታት ምስ ፖሊስ ዝራጸሙሉ ቦታ እዩ ስለዚ ኣብ ልዕሊ ደቀይ ዝወርድ  ሳዕቤን ከሎ ገና ስለዝተረዳኣኒ ትምህርቲ ከቃርጹ ገዲደዮም ። ብዓቢኡ ድማ መጭወይቲን ስርቅን ህጻናት ኣብ ሱዳን ሓደ ካብቶም ዝውቱራት ንጥፈታት ገበን እዮም ስለዚ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሃጋፍ ናይ ጸጥታዊ ኩነታት ሱዳን ተጠቂሞም  ነዞም ህጻናት ውን ክጨውይዎምን ክሰርቅዎምን ይኽእሉ እዮም ። ስለዚ ብጣዕሚ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ኢና ንርከብ። ኣምላኽ ብዓቢኡ ሰላም የስፍነልና ።

ኣብ  መወዳእታ ኣብ  መዓልታዊ ንጥፈታቶም  እንታይ ዓይነት ጥንቃቀታት ክገብሩ ትላበውዮም  ነዞም  ስደተኛታት ?

ጽገረዳ ፦ ብዓቢኡ ትኩራትን ጥንቁቃትን ክኾኑ ኣለዎም። ብፍላይ መንእሰያት ምሸት ብኣግኡ ገዝኦም እንተ ኣተዉ ይምረጽ። ምኽንያቱ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ስርቅን ዓመጽን በደልን ዝበዝሕ እዋን ብግዜ ጸላም እዩ ዝፍጸም ዘሎ። ስለዚ ግዳይ ናይዞም ሓላፍነት ዘይስመዖም ከታሮ ከይኮኑ ብኣግኡ ገዝኦም እንተ ኣተዉ ይምረጽ ። ካልኣይ ድማ ክሳብ ሕጂ ናዕቢ ዝተሓዎሶ ሰላማዊ ሰልፊታት ይካየድ እዩ ዘሎ ማለት ክሳብ ሕጂ ስቪላዊ ምንግስቲ እዮም ዝሓቱ ዘለዉ ስለዚ ሰልፈኛታት ምስ ፖሊስ ኣብ ቀጻሊ ናዕቢ እዮም ዝርከቡ። ሃንደበት ናዕቢ ምስ ዘጋጥም ድማ ብቁልጡፍ ካብቲ ከባቢ ክእለዩ ኣለዎም። ከም ባህሪ ሱዳናውያን ኣዝዮም ስምዒታውያን እዮም ሰልፊ ወጽዮም ከለዉ ብወሰን ንዝዕዘቦም ዘሎ ሰብ ብሓይሊ እዮም ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ሰልፊ ዘእትዉዎ፡ ስደተኛ ይኹን ካልእ ኣይግድሶምን እዩ። ምኽንያቱ ኣብታ ጽባሕ ዝምስርትዋ ሰላማዊት ሱዳን ተኻፋላኣ ክትከውን እንድሕር ኮንካ እጃምካ ኣበርክት እዮም ዝብሉኻ። ምስ ትኣቢ ድማ ኣካላዊ ማህሰይቲ የውርዱልካ። ስለዚ ከምዚ ከምዘሎ ተረዲኦም ሰልፊ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ ከባቢታት ዘይምጽናሕ። ብሓፈሻ ግን ትኩራትን ጥንቁቃትን ክኾኑ ይምዕዶም ።